Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ንዌልስ መዘናኣ ብምስዓር ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ንዌልስ መዘናኣ 2 ን 0 ብምስዓር ዓወት ቀኒዑዋ።

ኣብ ካልኣይ ዙር ናይ ምድብ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም÷ ዌልስን ኢራንን ዝተራኸባ እንትኾና ኢራን ተዓዊታ ክተወፅእ ክኢላ።

ሮዝቤህ ቼስሚንን ራሚን ረዛይን ኣብ መዛዘሚ እቲ ፀወታ ብዘመዝገቡወን ክልተ ሽቶታት ኢራን ተዓዊታ ክትወፅእ ክኢላ።

ኣብቲ ፀወታ ሓላዊ ልዳት ዌልስ ብዝሰርሖ ጥፍኣት ብቐይ ካርዲ ኣብ መበል 86 ደቒቕ ካብ ሜዳ ተሰናቢቱ ኢዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ፅዋዕ ዓለም ኳር ካብ ሜዳ ዝተሰናበተ ፈላማይ ተፃዋቲ ኮይኑ።

ዌልስ ኣብ ፈላማይ ፀወታኣ ምስ ኣሜሪካ ሓደ ማዕረ ምፍልላያ ይዝከር።

ኢራን ድማ ብእንግሊዝ 6 ን 2 ተሳዒራ ነይራ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.