Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ፈተና ሻምናይን 12 ክፍሊን ናይ ሰለስተ ሰሚስተራት ትምህርቲ ጥራሕ ኢዩ ዝሽፍን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገራዊ ፈተና ሻምናይን 12 ክፍሊን ዓመተ 2012 ናይ ሰለስተ ሰሚስቴራት ትምህርቲ ጥራሕ ከምዝሽፍን ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ጌታሁን መኩሪያ፥ ዝዳሎ ፈተና ሙሉእ ናይ 11 ክፍሊን ቀዳማይ ሰሚስቴር 12 ክፍሊን ዝሽፍን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ፥ ናይ ሻውዓይ ክፍሊ ክልተ ሰሚስቴርን ናይ ሻምናይ ክፍሊ ቀዳማይ ሰሚስቴርን ዘካተተ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝህብኡ ን45 መዓልታት ዝፀንሕ መከሓሓሲ ትምህርቲ ኣብቶም ዝተገለፁ ሰሚስቴራት ዘለዉ ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት ትኹረት ዝገበሩ የግባእ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.