Fana: At a Speed of Life!

ህንዲ ዘውፅኣቶ ሓድሽ ሕጊ ብሕትና ኣመልኪቱ ዋትስኣፕ ክሲ ከምዝመስረተ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ህንዲ ዘውፅኣቶ ሓድሽ ሕጊ ብሕትና ኣመልኪቱ ዋትስኣፕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ህንዲ ክሲ ከምዝመስረተ ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት መንግስቲ ህንዲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ንምቁፅፃር ሓድሽ መምርሒታት ኣተኣታትዩ እዩ።

ብመሰረት እዚ እቲ ሓድሽ ዲጂታዊ ሕጊ ንፖሊሲ ብሕትና ኣገልግሎት ዋትስኣፕ ዝግህስ እዩ ተባሂሉ።

ከባቢ 400 ሚልየን ተጠቀምቲ ዋትስኣፕ ዘለዋ ህንዲ ዝበዝሑ ተጠቀምቲ እቲ መተግበሪ ዝርከቡላ ሃገር እያ።

መንግስቲ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ኣመልኪቱ ዘውፅኦ መምርሒ ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ንምልእኣኽ ዘኽእሉ መተግበሪታት ንመሰረታዊ ለኣኺ እቲ ሓበሬታ ግልፂ ክገብሩ ይጠልብ።

ስለዝኾነ ዋትስኣፕ እቲ ሓድሽ መምርሒ ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን ብምባል እዩ ጥርዓኑ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደልሂ ኣቕሪቡ።

ዋትስኣፕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ንፍልፍል ናይ ፅሑፍ ምልእኣኻት ንምክትታል ዝጠልብ ሕጊ ዳርጋ ናይ ነፍሲ ወከፍ መልእኽቲ ኣሰር ኣፃብዕ ከም ምሓዝ ምዃኑ ገሊፁ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.