Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ሃላባ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ክሰርሕ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ሃላባ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዘለዎ ግደ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ክጥቀመሉ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፀዊዖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ቁሊቶ ተረኺቦም ካብ ዞባ ሃላባ ንዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ ህዝቢ ሃላባ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርኡይ ግደ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ክጥቀመሉ ፃወዒት ኣቕሪቦም።

መንግስቲ ንህዝቢ ሃላባ ዝገብሮ ሃገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበረቲ እቲ ከባቢ ኣብ ስታዲየም ቁሊቶ ተረኺቦም ነቶም ቀዳማይ ሚነስትር ኣቀባብላ ዝገበሩሎም እንትኾኑ፥ 120 ኣብዑርን 3 ኣግማልን እውን ብመልክዕ ህያብ ኣበርኪቶምሎም ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ኣብ ዞባ ከምባታ ጠምባሮ ከተማ ዱራሜ ተረኺቦም ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ምዝታዮም ይፍለጥ።

ብኣላዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.