Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ህዱእ ህዝባዊ ሰላምን ምምሕዳርን ኣብ ትግራይ ንምርግጋፅ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጉንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብረሃም በላይ፥ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ህዱእ ህዝባዊ ሰላምን ምምሕዳርን ኣብ ትግራይ ንምርግጋፅ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ጥቅምቲ 24/ 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ብዝተፈጥረ ጎንፂ ምኽንያት ብርክት ዝበለ ሰብኣዊን ንዋታውን ዕንወት ከምዝበፅሐ ይፍለጥ፡፡ ሞት ወገናት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ምምዝባልን ልዑል ጉድኣት ስነ-ልቦናን ስነኣእምሮን፣ ብኽነትን ምንዘዐ ውልቃዊን መንግስታዊ ንብረትን ብሓፈሻ ዘየድልዩ ምትፍናናትን ምድፍፋእን ኣጓኒፎምዎ እዮም፡፡ እዚይን ካልኦት ኣብ ህዝብና ዘንፀላልዩ ፀገማትን ንምፍታሕ ዘኽእል ብግልፂ ብምትእምማን፣ ግቡእ ፍትሒን ፍታሕን ብምሃብ ቁስልን በሰላን ህዝብና ምቕናስ ኢሉ እውን ብምፍዋስ ከምኡ እውን ኣብ መሬት ዘሎ ወድዓዊ ኹነታት ብተግባር ብምልዋጥን እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ብመንፈስ ይቅርታን ሰላም ብዘረጋግፁ ቆራፅ ስጉምትታትን ብምውሳድ ሃገረይን ህዝበይን ከገልግል ዝተውሃበኒ ዓብዪ ሓላፍነት ተመዲበ ስራሐይ እንትጅምር ዕውት ንክኸውን ሙሉእ ሓገዝን ድጋፍን ብህዝብና፣ ብመንግስቲ ፌደራል፣ ብመላእ ህዝብታት ሃገርና፣ ብማሕበረሰብ ዲያስፖራን ማሕበረሰብ ዓለምን ከምዝረክብ በዓል ምሉእ እምነት እየ፡፡

ኣብ ክልልና ትግራይ ዘሎ ወድዓዊ ነባራዊ ኹነታት ብፍላይ ፀገማት ብእሩይ ቁፅር መሚኻ ብምውፃእ ፍታሕ ክረኽቡ ምግባር ፈላሚ ስራሕቲ እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ፣ ባህርን መንቀልን እዞም ፀገማት ምርዳእ፣ ፅዕንቶ ተተሓሓዝቲ ጉዳያት ምፍላይ በቢብርኩ ዝትግበሩ መፍትሒ ሓሳባት ምምንጫይ፣ ዝመንጨዉ መፍትሒ ሓሳባት ብህዝባዊ ተቐባልነትን ርብርብን ብድፍረትን ብጥበብን ዝፍፀም ቆራፅነት ዝሓትት ስራሕ ከምዝኾነ እውን ምርዳእ የድሊ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ክልልና ትግራይ ዘሎ ወድዓዊ ነባራዊ ኹነታት ንምልዋጥ ዝተሰርሑ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተሰሪሖም ዋላ እንተኾኑ፣ ጭቡጥ ውፅኢት ንምምፃእ ዝኾልፉ ርኡያት ዕንቅፋታት ነይሮም እዮም፡፡ ቀንዲ ስራሕቲና ድማ ቅድምያ ንዝወሃቦ ህይወት ሰብ ኣብ ምድሓን፣ ሰብኣዊ ቀውስታት ግንቦት 3/2013 ከይበኣኣሱ ኣብ ምስራሕ ቆላሕታ ሂብና ተንቀሳቒስና ኢና፡፡ ኮይኑ ግና እዚ ንፅባሕ ዘይበሃል ስራሕና ኣብ እንሰርሐሉ እዋን ከቢድ ዝገብሩን ንተወሳኺ ጉድኣት ዝዕድሙን ርኡያት ፀገማት ምንባሮም ምርዳእ የድሊ፡፡

ኣብ ምዕራፍ ምኽባር ሕጊ ዘጓነፉ ጎንፅታትን ጥቕዓታትን፣ ሞትን ምምዝባልን ንፁሃት፣ ብድፍኢትን ስምዒትን ሞትን ጉድኣት ኣካልን ብርክት ዝበሉ ዕድሚኦም ዘይኣኸለ መናእሰይን ደቂ-ኣነስትዮን ሓዊሱ፣ ብርሰት ንብረት ወዘተ ምልዋጥን ናብ ንቡር ሰላም ንምምላስ ኣድላዪን ንፅባሕ ዘይበሃል እዚ እዋን

ዝጠልቦ ናይ ኣመራርሓ ስጉምቲ ወሳናይ እዩ፡፡

ኣብዚ ኣብ ምኽባር ሕጊ፣ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወስዱ ርኡያት ስጉምትታት፣ ሕጋዊ ሓላፍነትን ግቡእነትን መንግስቲ ንክዋፃእ ዝተፈጸመ፣ ብሓይልታት ምክልኻል ዝተሰርሑ ስራሕቲ እውን እንተኾነ ኣብ ሓድነት ሃገርን ልኣላዊነትን ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምምካት ኣድላዪ ምኻኑ ተኣሚኑሉ ዝተፈጸመ ግዳጅ እዩ፡፡ ኣብ ክልልና ክርአ ጀሚሩ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም እውን መስዋእቲ ብዙሓት ተኸፊሉዎ ዝተረጋገፀ ከምዝኾነ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ክልልና ንዘሎ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ ክከታተል ዝተውሃበኒ ፍሉይ ሓላፍነት ዘረጋገፅክዎ ምኻኑ ግልፂ ክገብር ይፎቱ፡፡

ኮይኑ ግና፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበረ ጎንፅን መጥቃዕትን፣ ብዕጡቓት ሓይልታት ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ስጉምትታት፣ ደም ብዙሓት ንፁሃት ዓርሶም ምክልኻል ዘይኽእሉ ዜጋታት ፈሲሱ፣ ኣካሎም ጎዲሉ፣ ብዙሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተፈፂሙ፣ ህፃናት፣ ለጋልግን ዓበይትን ደቂኣነስትዮ ኣሕዋትን ኣደታትን ተደፊረን፣ ብቢልዮን ዝግመት ገንዘብ ዝወፀሎም ትካላት መንግስትን ውልቀን (ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ) ዓንዮምን ተጓሕጊሖምን፣ ተፃዒኖም ተወሲዶም፣ ካልእ ይትረፍ ጠለበጊዕን ከፍትን ሓረስቶት፣ ቀለብ ዕለትን ኣቑሑ ገዛን ከይተረፈ ተጓሕጉሑ እዩ፡፡ ኣነ ኣብ ልዑል መንግስታዊ ሓላፍነት እንኾለኹ፣ እዚ መሕዘኒን መሰቐቒን ተግባር ኣብ ህዝብና እንትበፅሕ ቀዳሚ ስራሕ ክኸውን ዝግባእ ዝበፅሀ ጉድኣት ብተግባር ምቕናስ፣ ተወሳኺ ፀገም ከይበፅሕ ዘኽእሉ ስራሕቲ ብዘይወዓል ሕደር ምትግባር ይኸውን፡፡ ኣብ ድሕንነት ሃገር ዘንጸላለወ ርኡይ ሓደጋ ምምካት፣

ኢሉ እውን ሃገርና ናብ ሙሉእ ሰላምን ምርግጋዕን ዘብፅሑ ዋና ዋና ስራሕቲ ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ካብ ተወሳኺ ሞትን ዕንወትን ክንናገፍ ይሕግዝ ኢለ ይኣምን፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ብውለቀይ ይኹን ብሕብረት ንትግራይ ኢሉ እውን ንሃገረይ ዝሰራሕኹዎም ብርክት ዝበሉ

ስራሕቲ ዋላ እንተተሰርሑ እኹላት ኣይነበሩን፡፡ ስለዝኾነ እውን፣ ህዝብና ንሓበራዊ ሰላምን ርጋዕታን ቅድሚያ ብምሃብ ንዝሓለፉ ክፍተታት ይቅርታ ብምግባር ፤ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ወሳናይ ምድሓን ሂወት፣ ሰላምን ምርግጋዕን፣ ዳግመ ህንፀት ዓድናን ውፅኢታዊ ክኸውን ብዘይ ተሳትፎ መላእ ህዝቢ ክመፅእ

ስለዘይኽእል ክትሕግዙኒ ብትሕትና እምሕፀነኩም፡፡

ኣብ ክልልና ትግራይ፣ ቅድም ክብል ብዘጓነፉ ፀገማትን በቢቦትኡ ብዝርኣዩ ጥቕዓታትን ንክቕንሱን ደው ክብሉን፣ ተበፃህነት ግልጋሎታትን መሰረተ ልምዓትን ንምዕባይን ሰላምን ደህንነትን ህዝብና ንምሕላውን ኣብ ተሳትፎ ህዝብን ዓበይቲ ዓድን ልዑል ስራሕ ክስራሕ ይግባእ፡፡ ብመዳይ እዚ መንግስቲ ድልየትን ጠለብን ህዝቢ ብምርዳእ፣ ዕለታዊ ፀገማቱ ነቑሱ ብምውፃእን መፍትሒን ፍትሒን ብምሃብ፣ ስግኣተይ ዝብሎም ኩነታት እውን ብግቡእ ምድማፅ ወሳናይ ዛዕባናን ዋኒናን እዩ፡፡ ስለዝኾነ እውን፣ ነዚ ሰናይ

ተግባር መላእ ደላይ ሰላም ህዝብናን ደለይቲ ሰላም ሓይልታትን ብልቦና ምርዳእ የድሊ፡፡ ብኻሊእ መዳይ “ኣብ እዋን ጎንፂን ምዝራግ ሰላምን ትፅቢት ዝግበረሎም እዮም!” ዝብል መደምደምታን ኣብ ወገናትና ዝበፅሐ መሕዘኒ ጉድኣት ግቡእ ቆላሕታ ከምዘይተውሃቦ ገይርካ ምቑፃር ቅንዕና ዝጎዶሎ እዩ፡፡ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ፌደራል ምንግስትን ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣፍልጦ ንዘይምሃብ ዝስርሑ ውሽጣዊን ደጋዊን፣ ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ሽርሐኛታት ምፍላይን ግቡእ መአረምታን ክግበረሎም ይግባእ፡፡

ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ፀገም ኣመልኪቱ ብግልፂ ወፅዩ ንምዝራብን እቲ ኹነታት ብዝቕይር መልክዑ ስራሕቲ ምስራሕን ኣካል መፍትሒ ምኻንን ወገንታዊነት ዓሌትን ዘርእን ኣይሓትትን፤ ዛዕባ ኹሉ እዩ፡፡ ዜጋታት ኣብ ኩሉ ስፍራ ንወገኖም ክበፅሑሉ፣ ካብ ዘይምዕሩይ ዘረባታት ፅልኢት ተቖጢቦም ኣብ ስራሕን ካልኦት ማሕበራዊ ሂወትን ወገናቶም ክሕልዉ፣ ብውልቀ ይኹን ብጉጅለ ርህራሀን ሓቋፊነትን ተላቢሶም፣ ደለይቲ ሰላም ምኻኖም ብተግባር ከርእዩ፣ ልዝብን ስኽነትን ክፍጠር ኣዐርዮም ክሰርሑን ብስሩዕ መራኸብቲ ሓፋሽን ማሕበራዊ ሚድያን ካብ ዝንዝሑ መርዛማን ተንኻስን ዘረባታትን ኣብ ቀረባ ዝተለመዱ “መፀውዕታት” ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ፣ ካብ ዕዳጋ ፅልኢ ትርፊ ንምርካብ ላዕልን ታህትን ዝብሉ ሓይልታት ክተሕፍሩዎም፤ ብሓፈሻ ክልልና ትግራይ ናብ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፅዑቕ ፃዕሪ እጃምኩም ክትዋፅኡ ሰብኣዊ ፃውዒተይ የቕርብ፡፡

መላእ ህዝብታት ሃገርና!

ሰላም ኣጀንዳ ጅግናን ጀግንነትን እዩ !፤ ኣብዚሕኻ ምዕጋስ፣ ኣስፊሕኻ ምሕሳብ፣ ዘይካኣሉ ዝመስሉ ኩነታት ምድፋር፣ ኣብ ሎሚ ኾይንካ ፅባሕ ምእማትን ብሓቅታት ትማሊ ግልፂ ምርድዳእን ዝሓትት እዩ፡፡

ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ኣብ ሞንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን ህዝብታት ሃገርና ውጥረት ንምፍጣር ንዓመታት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ብዘይጠቕሙ ህልኽን ፅልኢትን መሰረት ዝገበሩ ሕመቓት ክቡር ሂወት ሰብ ክጠፍእን ካብ መረበቱ ክመዛበልን ዝገብሩ ግሁድ ሓቂ እናተዓዘብና ንርከብ፡፡ ኮይኑ ግና ንዓመታት ዝተሃንፀ ሕብረትና፣ ዝተኣሳሰረ ዝምድናና፣ ንዘበናት ዝፀንሐ ታሪኽና ፈፂሙ ዘይነፃፀር ብምኻኑ ከምህዝቢ ሓደ ሃገር ናብ ምስትውዓልን ህድኣትን ከይወዓልና ከይሓደርና ስራሕ ክንጅምር ይግባእ፡፡ ንመፃኢ ወለዶ ፅልኢ፣ ቂም፣ ሕነ-ምፍዳይን ጥፍኣትን ካብ እነስንቆ፤ ይቕረ ምብህሃል፣ ምትእምማን፣ ምትሕግጋዝ ወዘተ ሕብረት ዘጠናኽሩ ምኻኖም ክነረጋግፅ ናይ ወለዶ ሓላፍነት ኣለና፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ፣ ኣብ ክልልና ትግራይ ሰላምን ደሕንነትን ኣብ ምስፋንን ምርግጋፅን ከምኡ እውን ፍትሒ ክዓስል ልዑል እጃም ዝገበርኩም ኣካላት፤ ብተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምሃብ ኣብ ከይዲ ዳግመ ህንፀት ክልልና ኢድኩም ዝሓወስኩም መላእ ህዝብታት ሃገርና ብፍላይ ድማ ጎራብቲ ክልላት ሃገርና፣ መንግስቲ ፌደራል፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዲያስፖራ፣ምሁራን፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ማሕበራት ሞያ፣ ሰብ ሞያ ኪነጥበብን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ትካላትን ውልቀ-ሰባትን፣ ሰብ ሞያ ሚድያ፣ መራቲ ሃይማኖት፣ ሽማግለን ዓበይቲ ዓድን፣ ውዳበ መናእሰይን ደቂኣነስትዮን ኣብ ውልቀን መንግስትን እትሰርሑ ወገናት፣ ነዚ ጊዜ ዘይህብ ልእኽቶ ልብኹምን ግዜኹምን ሓገዝኩምን ከምኡ እውን ዓቕምኹ ዝፈቐዶ ኩሉ ብምግባር ክትሳተፉ ናይ ሓደራ ፃውዒተይ የቕርብ፡፡

ኣብ መወዳእታ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ እዋናዊ ፀጋመት ክልልና ኣብ ምፍታሕ ብኹሉ መዳይ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝሕግዙ ሃነፅትን ሰላማውን ሕጋዊን መማረፅታት ምስዘለዎ ኣካል ኩሉ ብቐረባ ንምስራሕ ምሉእ ድልውነት ዘለዎ ምኻኑ ንምግላፅ ይፎቱ፡፡ ስለዝኾነ እውን፣ ኣብዚ ናይ ታሪኽ ሓላፍነት ዝርኣየሉ እዋን ኩሉ ዜጋ ኣብ ጎድንና ኾይኑ ክረባረብን እጃሙ ክውፃእን ናይ ሓደራ መልእኽተይ የመሓላልፍ፡፡

አብርሃም በላይ በርሀ

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.