Fana: At a Speed of Life!

ህይወት ኣብ ፀገም ዝርከቡ ኣፍሪካውያን ዘመሓይሽ ስምምዕነት 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋውንዴሽን ማስተር ካርድን ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕምማት ኣፍሪካ (ሲዲሲ) ህይወት ኣብ ፀገም ዝርከቡ ኣፍሪካውያን ዘመሓይሽ ስምምዕነት 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ተፈሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ኣፍሪካውያን ናብረኦም ንምምሕያሽን ዝተጎድአ ኢኮኖሚ እታ ኣህጉር ብቕልጡፍ ካብ ፀገም ንክናገፍን ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ ዝትግበር ስምምዕነት ምትሕብባር ከምዝኾነ፥ ፋውንዴሽን ማስተር ካርድ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፡፡

ዝተጎድአ ኢኮኖሚ እታ ኣህጉር ኣፍሪካ ብቕልጡፍ ካብ ፀገም ንኽወፅ ዝዓለመን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝርከቡ መናእሰይ ኣፍሪካ ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ዝፈጥርን ስምምዕነት ከምዝኾነ ዋና ፈፃሚት ስራሕ እቲ ፋውንዴሽን ሪታ ሮይ ገሊፀን፡፡

ዋና ዳይሬክተር ሲዲሲ ኣፍሪካ ዶክተር ጆን ንኬንጋሶንግ ብግደኦም፥ እቲ ስምምዕነት ኩለመዳይ ተበፃሕነትን ዝርገሐን ዘለዎ ስርዓት ክታበት ንምርግጋፅን ኣፍሪካ ናይ ባዕላ ክታበት ንኽተፍሪ ዓቕማ ንምዕባይን ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.