Fana: At a Speed of Life!

ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ግምት ዘእተወ ምድላው ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 ይግበር ኣሎ – ኮሚሽን ስፖርት

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ግምት ዘእተወ ምድላው ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 እናተገበረታ ምዃና ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ብምኽንያት እቲ ተላባዲ ሕማም ናብ ፀገም ዝኣተወ ስፖርት ንምንቕቓሕ፥ ስፖርታዊ ኩነት ምትእንጋድ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተኣሚኑሉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ኤልያስ ሽኩር ተዛሪቦም።

እቶም ምድላዋት ዕዉታት ንምግባር ድማ ነቲ ምድላው ብልዑል ጥንቃቐ ዝመርሕ ዓቢዪን ንኡሽተይን ኮሚቴ ከምዝተጣየሸ እውን ገሊፆም።

ስፖርታዊ ኩነት ካብ ምትእንጋድ ብተወሳኺ፥ ጉባኤ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣፍሪካ ANOCA ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝሃቦም ሽልማት ኣብ ግምት ብምእታው፤ ንዝተረፈ ዓለም ፅቡቕ ምስሊ ሃገር ንምርኣይ ዝሕግዝ ስለዝኾነ ዓቢዪ ትርጉም ዝወሃቦ ኢዩ ክብሉ ኣይተ ኤልያስ ምግላፆም እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.