Fana: At a Speed of Life!

ሊቨርፑል ድሕሪ 30 ዓመታት ዋንጫ ፕሪመርሊግ ዓቲራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሊቭርፑል ትማሊ ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ነታ ድሕሪ 30 ዓመታት ዝተዓወተትላ ዋንጫ ፕሪሚየር ሊግ ብዕሊ ተቐቢላታ።

ሓለቓ ጋንታ ሊቨርፑል ጆርዳን ሃንደርሰን ነታ ዋንጫ ካብቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1990 ሊቨርፑል ንቸልሲ 5 ብ3 ስዒራ ዋንጫ ፕሪሚየር ሊግ ክተወስድ እንከላ ሓለቓ ጋንታ ሊቨርፑል ዝነበረ ሰረ ኬን ዳልግሊሽ’ዩ ተቐቢልዋ።

ሊቨርፑል ፀወታ ፕሪሚየርሊግ ክዛዘም ሸውዓተ ፀወታታት ተሪፍዎ እንከሎ’ያ 25 ሰነ ተዓዋቲት ፕሪመርሊግ ምዃና ኣረጋጊፃ ዘላ።

ፅንብል ሽልማት ዋንጫ ንኽካየድ ግን ነቲ ናይ መወዳእታ ኣብ ሜዳኣ እተካየድኦ ፀወታ ክትፅበ ነይርዋ።

ተፃወትቲ ሊቨርፑል በቶም ፍሉይ ፍቓድ ዝተውሃቦም ስድራቤቶም ተዓጂቦም’ዮም ነታ ዋንጫ ትማሊ ኣብ ሜድኦም ተቐቢሎማ።

ሓለቓ ጋንታ ሊቨርፑል ሃንደርሶን “ነዛ መዓልቲ እዚኣ ንነዊሕ ኢና ተፀቢናያ” ኢሉ።

ጋንታ ሊቨርፑል ነታ ድሕሪ 30 ዓመታት ዝተዓወተትላ ዋንጫ ፕሪመርሊግ ክትቅበላ እንከላ እቲ 53 ሽሕ ሰባት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ ሜዳ ኣንፊልድ ጥራዩ እዩ ነይሩ።

ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ደው ኢሉ ድሕሪ ምፅናሕ፥ 17 ሰነ ዳግማይ ክካየድ ኣብ ዝተወሰነሉ ፀወታታት ብዘይ ተዓዘብቲ ክካየድ እዩ ተወሲኑ።

እቲ ካብ 1977 ክሳብ 1990 ምስ ሊቨርፑል ብምፅዋት ኣብ 515 ፀወታታት 172 ሸቶታት ዘመዝገበ ዳግልሽ ድማ ንተፃወትቲ መዳልያ ዓዲልዎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.