Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ንተመዛበልቲ መተከል መተከል ልዕሊ ብር 30 ሚሊየን ዝግመቱ ኣቑሑት ሓገዝ ገይሩ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ንተመዛበልቲ መተከል መተከል ልዕሊ ብር 30 ሚሊየን ዝግመቱ ኣቑሑት ሓገዝ ምግባሪ ገሊፁ።

ኣብቲ ኮሚሽን መተሓባበሪት ኣሶሳ ቪክቶሪያ ኮፓ፥ እቲ ሓገዝ ሎሚ መዓልቲ ንኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ከተማ ኣሶሳ ኣረኪበን፡፡

እቲ ኮሚሽን ተመዛበልቲ ዞባ መተከል ንምሕጋዝ ምስቲ ክልል ብምውዳድ እናሰርሐ ምዃኑ እተን መተሓባበሪት ገሊፀን፡፡

ካብ ሞንጎ እቶም ሓገዛት፥ 13 ሺሕ ኮቦርታታት ከምኡ እውን ኣንሶላታት፣ ምንፃፋት፣ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት መብሰሊ ምግቢ ከምዝርከቡዎ ተሓቢሩ፡፡

እዚ ድማ ንልዕሊ 4 ሺሕ ስድራቤታት ተረባሕቲ ከምዝገብር እተን መተሓባበሪት ገሊፀን፡፡

እቲ ሓገዝ፥ ኣብቲ ዞባ ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣብ ዝርከቡሉ ወረዳታት ቡለንን ድባጤን ኣብ ሓፀርቲ መዓልቲታት ከምዝበፅሕ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.