Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ኣመራርሓን ሰራሕተኛ መንግስቲን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን ደም ለጊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓን ሰራሕተኛ መንግስቲን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን ደም ለጊሶም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል ኣይተ ኢስሃቅ ኣብዱልቃድር÷ ሃገር ንምድሓን ንዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ከም ክልል ዝተፈላለዩ ደገፋት ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ጎኒ ሰራዊት ንምስላፍ ድልው ኢዩ ክብሉ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ናይዚ መርኣዪ ድማ ላዕለዎት ኣመራርሓን ሰራሕተኛ መንግስቲን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን ደም ምልጋሶም ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዝግበር ፃውዒት ድጋፍ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ንምስላፍ ድልው ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ካብ ዘለዉ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ሰብ ሃፍቲን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ክልልን ንምድጋፍ ዝዓለመ ልዕሊ 11 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ንምሃብ ቃል ተኣቲዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.