Fana: At a Speed of Life!

ልኡኻት ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብን ኳርን ድሕሪ ሰለስተ ዓማውቲ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ልኡኻት ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብን ኳርን ድሕሪ ሰለስተ ዓማውቲ ኣብ ኩዌት ተራኺቦም ምዝታዮም ተገሊፁ።

ኣባል ቤት ምኽሪ ምትሕብባር ወሽመጥ ባሕሪ ዝነበረት ኳር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2017 ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ኩለመዳይ ማዕቐብ ተነቢሩዋ ፀኒሑ ኢዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ሓዊሱ ስዑድ ዓረብ፣ ግብፂን ባህሬንን ምስ ኳታር ኣቋሪፀንኦ ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ጀሚረን ኢየን፡፡

ኳታር እውን ነቲ ስምምዕነት ስዒቡ ብኣየርን ምድሪን ዘለዋ ርክብ ምስተን ሃገራት ጀሚራ ኣላ፡፡

ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ክልቲአን ሃገራት ብዕሊ እንትዛተያ ንፈለማ እዋን ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ዘተ ድማ ብቤት ምኽሪ ምትሕብባር ወሽመጥ ባሕሪ ዝተበፅሐ ስምምዕነትን ኣተገባብርኡን ኣድሂቦም ንምዝታይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.