Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ ብር 13 ሚሊየን ዝግመቱ ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ልዕሊ ብር 13 ሚሊየን ዝግመቱን ካልኦት ግምታዊ ዋጋ ዘይወፅአሎም ኣቕሑት ኮንትሮባንድን ተታሒዞም።

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ዛሓለፉ ተኸታተልቲ 12 መዓልቲታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝተትሓዙ ምዃኖም ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

እቶም ዘይሕጋዊ ኣቑሑት፥ ካብ ባህርዳር፣ ጅግጅጋ፣ መተማ፣ ኮምቦልቻ፣ ሃረር፣ ኣዋሽ፣ ቶጎ ውጫሌ፣ መቐለ፣ ክልል ዓፋር ዞባ 3 ወረዳ ዱለቻ፣ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ወረዳ ሻኪሶን ካልኦት ኬላታት መቆፃፀሪ ጣቢያ ኢዮም ተታሒዞም።

መሳርሒታት ጦር፣ ክዳውንቲ፣ ተሸከርከርቲ፣ ገይፀ መይፂ፣ ሺሻን ኣፋውስን፣ ግዘ ዘሓለፎም ምግቢታትን መሳርሒታት ኤሌክትሮኒክስን ዝበሉ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ከምዝኾኑን እውን ተገሊፁ።

ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፥ ብሕጋዊ መገዲ ቀረፅ ከፊሎም ፍርያታት ናብ ውሽጢ ዓዲ ዘእትዉ ነጋዶ ክጉድኡ ከምዝገብር ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.