Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ ድሕንነትን ጥዕናን ህዝብና ዝስራዕ ውራይ የብልናን! – ዶ/ር ደብረፂዮን ገ/ሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ”ልዕሊ ድሕንነትን ጥዕናን ህዝብና ዝስራዕ ውራይ ከምዘይብልና ፈሊጥና ሕድሕድና መሪሕ ተራ ክንፃወት ይግባእ” ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ መንግስቲ ክልል ትግራይ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣድለይቲ ስጉምቲታት እናወሰደ ምዃኑ ገሊፆም።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ልዕሊ ድሕንነትን ጥዕናን ህዝብና ዝስራዕ ውራይ ከምዘይብልና ፈሊጥና ሕድሕድና መሪሕ ተራ ክንፃወት ይግባእ

••••••••••••••••••••••••••••••

ከም ዝፍለጥ መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብሙሉኡነት ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን “የኽእሉ እዮም” ዝበሎም ስጉምቲታት እናወሰደ’ዩ ዝርከብ። ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ምንቅስቃስ መሰረት ህዝብና እውን ዕላማን ትርጉምን እዞም ብመንግስቲ ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ብሙሉእ ልቢ ብምቕባል፣ ኣብ ገለ ገሊኡ እውን ሓደሽቲ ምሕዞታት ብምውሳኽ ብፅቡቕ ኩነታት ንምትግባር እናተሰርሐ’ዩ።

ግን ሕዚ እውን ኣብ ሓደ ሓደ ቦታት ዝረኣዩ ዘለዉ ጉድለታት ክንቀርፍ፣ ኩሎም መምርሕታት ብዝለዓለ ጥንቃቀ ክንፍፅምን ምኽሪ ሰብ ሞያ ጥዕና ክንትግብርን ይግባእ። ከም ህዝቢ ብስርዓትን ብዝተወደበን ኣገባብ ናብቲ ናይ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ግጥም ብምእታው ተጨባጢ ውፅኢት ንምምፃእ፣ ሕዚ እውን ግቡእ ክትትልን ጥንቃቀን ክግበር ይግባእ።

ብኮማንድፖስት ዝወርዱ መምርሕታትን ብቢደረጅኡ ብዘለው ሰብ ሞያ ጥዕናን ዝወሃቡና ምኽሪታትን ሓበሬታን መሰረት ብምግባር ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብሙሉእነት ክንከላኸሎን ክንቆፃፀሮን ክንሰርሕ፣ ካብ ነብስወከፍና ትፅቢት ዝግበሩ ተግባራት ብዝለዓለ ትግሃትን ድስፕሊንን ክንፍፅምን ይግባእ።

ስለዚ ሕድ ሕድ ትግራዋይ ልዕሊ ድሕንነትን ህልውናን ህዝብና ምርግጋፅ እንሰርዖ ዉራይ ከምዘይብልና ብምርዳእ፣ ከም ልማድና ሓደ ኮይንና፣ ናይዚ ወቕቲ ፀላኢና ቫይረስ ኮሮና ንምምካትን ንምቁፅፃርን መሪሕ እጃምኩም ክትፃወቱ ደጊመ ፃውዒተይ የቕርብ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.