Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዜጋታት ንፀገም ኣገልግሎት ጥዕና ተቓሊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕናን መሰረተ ልምዓታትን ብዘብፀሖ ዘረፋን ዕንወትን ልዕሊ 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዜጋታት ንፀገም ኣገልግሎት ጥዕና ከምዝተቓልዑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ብዝኸፈቶ ኲናት ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታትን ትካላት ጥዕናን ልዑል ዝርፊያን ዕንወትን ከምዘብፀሐ ገሊፀን፡፡

ኣብ 5 ዞባታት ክልል ኣምሓራ ሆስፒታላት፣ ጣቢያታት ጥዕናን ኬላታት ጥዕናን ሙሉእ ብሙሉእ በቲ ግበረ ራዕዲ ብምዕናዎም ኣገልግሎቶም ሙሉእ ብሙሉእ ክዝተቋረፀ እተን ሚኒስትር ገሊፀን፡፡

ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ሓደ ሆስፒታላትን ጣቢያታት ጥዕናን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነዉን ተሸከርከርቲ ከምዝተዘረፉን ኣብሪሀን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ከምኡ እውን ኣብ ክልል ዓፋር 112 ሺሕ ዜጋታት ንፀገም ግልጋሎት ጥዕና ከምዝተቓልዑ ተዛሪበን፡፡

ግልጋሎት ጥዕና ኣብ ዝተቛረፀሎም ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት ጥዕና ንምሃብ ብዙሓት ሰብ ሞያታት ናብቲ ቦታ ከምዝተለኣኹ ኣፍሊጠን ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.