Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 700 ኣምቡላንሳት ንክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ተዓዲሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ልዕሊ 700 ኣምቡላንሳት ንቢሮ ጥዕና ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣረኪቡ።

እተን ኣምቡላንሳት ኣብ ጥሕና ህፃናትን ኣዶታትን ከምኡ እውን ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ሃንደበታዊ ሕክምናን ምምሕያሽ ቅብብል ሕሙማትን ልዑል ግደ ከምዝህልወን ተገሊፁ።

ዳይሬክተር ኣመሓዳድራ ንብረትን ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ኣይተ እስክንድር ላቀው፥ እተን ኣምቡላንሳት ኣብ ዝተዓለመለን ቦታ ንኸውዕላ ኣመራርሓታት ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ፀዊዖም።

እቲ ዝግበር ሓገዝ ኣምቡላንስ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.