Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ መዓልቲ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገፁ ክልተ ሰባት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ኢዮም – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገፁ ክልተ ሰባት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ምዃኖም ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ቶም ውልቀ ሳባት፥ እታ ሓንቲ ኣብ ዱባይ ፀኒሓ ናብ ባህርዳር ዝተመለሰት ኮይና፤ እቲ ካሊእ ድማ ካብ ኣሜሪካ ዝመፅአ ነባሪ ኣዲስ ቅዳም ከምዝኾነን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

ክልቲኦም ውልቀ ሰባት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓቲታት ክትትል እናተገበረሎም ፀኒሑ እውን እቲን ሚኒስተር ገሊፀን።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ምስቶም ውልቀሰባት ንኽክእ ዝነበሮም ሰባት ናይምፍላይን ናይ ምክትታልን ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ኣብሪሀን።

ክልቲኦም ሰባት ኣብቲ ክልል ዝርከብ ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ምዃኑ እውን ዶክተር ሊያ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.