Fana: At a Speed of Life!

ሎሬት ኣርቲስት ለማ ጉያ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰኣሊ ሎሬት ሻምበል ኣርቲስት ለማ ጉያ ሎሚ መዓልቲ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም።

ኣርቲስት ለማ ጉያ(ናይ ክብሪ ዶክተር) ብሕክምና ክሕገዙ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መበል 92 ዕድመኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም።

ሎሬት ኣርቲስት ለማ ጉያ ኣብ ዝሓለፉ 62 ዓመታት ልዕሊ 10 ሺሕ ስእሊታት ኣብ ቆርበት ጥየል ብምስኣል ናእዳ ረኺቦም ኢዮም።

ስራሕቶም እውን ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ስነ ጥበብ ለማ ጉያ ንምርኢት የቕርቡ ነይሮም።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ሎሬት ኣርቲስት ለማ ጉያ ዕለተ ሓሙስ ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ከምዝፍፀም ካብ ቤተሰቦም ንምርዳእ ተኻኢሉ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ንመላእ ቤተሰቦምን ደገፍቶምን ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.