Fana: At a Speed of Life!

ሓምለዋይ ኣሰር ሓምለዋይ ባህሊ ብምፍጣር ዕዉት ኮይኑ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኣርባዕተተኸታተልቲ ዓመታት  ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝፀንሐ ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብታ ሃገር ሓምለዋይ ባህሊ ብምፍጣር ዕዉት ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምዝዛም ናይ ኣርባዕቲኡ ዓመታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ፥ “ሕዚ እውን ብዙሕ ስራሕ ዝፅበየና ይኹን እምበር፤ እቲ ምንቅስቓስ ኣብታ ሃገር ውፅኢት ምምፅኡ ግን ኣየጠራጥርን” ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ሰሙናት ጥራሕ ኣብ ዓለም ዝረአ ሓደጋ ውሕጅ፣ ምቅፃል ደኒ፣ ሓያል ማዕበልን ዘይተለመደ ሙቐትን ተመሳሰልቲ ኩነታትን ንለውጢ ንብረት ኣየር ዓበይቲ መርኣያታት ከምዝኾኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ኣልዒሎም።

ምብራቕ ኣፍሪካ ዘተኣናገደቶ ድርቂ ናይዚ ለውጢ ንብረት ኣየር ውፀኢት ከምዝኾ እውን ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓለም እናተሳቐየትሉ ትርከብ ፀገም ንምፍታሕ ካብ ስብሰባታ ሓሊፉ ተግባራዊ መፍትሒ ምውሳድ የድሊ ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ምዒዶም።

“ኢትዮያ ከምዚ ዓይነት ተግባራዊ መፍትሒ ኣብ ምውሳድ ውፅኢታዊት ኮይና ክትቅፅል ኢያ” ኢሎም።

ኣብ 2011 ዓ.ም ልምዓት ተፋሰስ ንምልማዕ፣ ሽፋን ደኒ ንምድንፋዕ፣ ኢኮቱሪዝም ንምስፋሕን ሓምለዋይ ሽፋን ከተማታትን ንምዕባይ ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከምዝጀመረት ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት 20 ቢሊየን ፈልሲ ንምትካል ተሊማ 25 ቢሊየን ፈልሲታት ብምትካል ልዕሊ ዝተቐመጠ ትልሚ ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።

ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ከተማታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣድላይነት ሓምለዋይ ኣሰር ተረዲኦም ቦታ እናሰናድኡ ምምፀኦም ንዝተፈጠረ ሓምለዋይ ባህሊ መርኣያ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

ሓምለዋይ ባህሊ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ እቲ ወፍሪ ን767 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ብምፍጣ ዘበርከቶ ኢኮኖሚያዊ ኣስተዋፅኦ ኣመልኪቶም።

እቲ ሓምለዋይ ባህሊ ንዝቕፅል ወለዶ ዝቕፅል ከምዝኾ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.