Fana: At a Speed of Life!

ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዝተዳለወ ሓፂር መልእኽቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ እውን ተራኢዩ ኣሎ።

ነዙይ መሰረት ብምግባር ድማ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ክግበሩ ዝግበኦም ጥንቃቐታት ብዝምልከት ብቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ሓፂር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

1 መመሓላለፊ መንገድታት ቫይረስ ኮሮና
• ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ እንትስዕል፣ እንትህንጥስን ምስ ዘውፅኦም ነጠብጣብን ፈሳሲን ንኽክእ እንትህሉን እቲ ቫይረስ ብኣፍንጫ፣ ኣፍን ዓይንን ኣቢሉ ናብ ጥዑይ ሰብ ይመሓላለፍ።
2 ምልክታት ቫይረስ ኮሮና፤  
• ረስኒ
• ስዓልን
• ሕፅረት ምስትንፋስን /ምቁርራፅን ምስትንፋስን እዮም።

ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብዚ ሕዚ እዋን ብስፍሓት ካብ ሰብ ናብ ሰብ እናተመሓላለፈ ይርከብ።
ስለ ዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ 14 መዓልትታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና ካብ ዘለወን ሃገራት ዝመፁ ሰባት ወይ እውን ምስኣቶም ርክብ ዘለዎም ምልክታት ሕማም ኮሮና ቫይረስ እንተርእዮም ቅልጡፍ ሕክምና ንምርካብ ሽዑ ንሽዑ ናብ 6244 ብምድዋል ክተፍልጡ ይግባእ።

ኣብ እነስዕለሉን እንህንጥሰሉን እዋን ኩሉ ግዜ ኣፍን ኣፍንጫን ብመንዲል ወይ ብውሽጢ ኩርናዕ ኢድ ምሽፋን ይግባእ።
ንምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ኢድና ብማይን ብሳሙናን እንሕፀበሎም ወሰንቲ እዋናት፦
• ድሕሪ ምስዓልናን ምህንጣስናን ሽዑ ንሽዑ ኢድና ምሕፃብ፤
• ነጠብጣብ ስዓል ህንጣሰን እንትነኹእና ሽዑ ንሽዑ ኢድና ምሕፃብ፤
• ብነጠብጣብ ስዓል ህንጣሰን ይብከሉ እዮም ዝበልናዮም ነገራት እንተነኺእና ሽዑ ንሽዑ ኢድና ምሕፃብ፤
• ዓይንናን ኣፍንጫናን እዝንናን ክነክእ ኣብ እንደልየሉ ኢድና ምሕፃብ፤
• ሽቓቕ ድሕሪ ምጥቃምና ኢድና ምሕፃብ፤
• ቅድሚ ምግቢ ምድላውን ምምጋብን ኢድና ምሕፃብ፤
• ቕድሚ ህፃናት ምንካእና ኢድና ምሕፃብ፤
• ድሕሪ ሕሙማት ምንክብኻብና ኢድና ምሕፃብ ወሳኒ እዩ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.