Fana: At a Speed of Life!

ሕማም ዓሶ ኣብ 13 ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ይስፋሕፋሕ ከምዘሎ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕማም ዓሶ ካብ ክልል ኦሮሚያ ንምጥፋእ ብዙሓት ስራሕቲ እኳ እንተተሰርሑ እቲ ሕማም ሐዚ እውን ፀገም ጥዕና ሕብረተሰብ ብምዃን ይቕፅል ምህላዉ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቲ ሕማም ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ፣ ምዕራብ ሃረርጌ ፣ ኣርሲ ፣ ምዕራብን ምብራቕን ወለጋ ከምኡ ውን ሆሮ ጉዱሩ ወለጋን ሓዊሱ ኣብ 13 ዞባታት ብስፍሓት ከምዝርከብ ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ደረጀ አብደና ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ እቲ ጉዳይ ሐዚ ውን ትኹረት ዘድሊዮ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ሕማም ብብርኪ ሃገር ንምጥፋእ ዝተትሓዘ ትልሚ ብዘማእኸለ መገዲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተሰርሐ ስራሕቲ አንተሃለወ አውን ዝድለ ውፅኢት ኣይተመዝገበን ኢሎም።

መበገሲኡ ድማ ናይ ኣመራርሓ ጠመተ ምስኣን፣ ምንኣስ ዓቕሚ ምርመራ፣ ፀገም ኣቕርቦትን ፅርየት ስራሕቲ ምንኣስን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ህፁፅ ናይ 6 ኣዋርሕ ትልሚ ብምሓዝ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብይድነቃቸው ሃይለማርያም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.