Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ ብቃልሲ ህዝቢ ዝተረኸበ ለውጢ ንምቕልባስ ብህወሓት ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ክምክቶ ይግባእ – ቢሮ ፀፅታን ሰላምን ክልል ኦሮሚያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ብቃልሲ ህዝቢ ዝተረኸበ ለውጢ ንምቕልባስ ብህወሓት ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ተዋዲዱ ክምክቶ ከምዝግባእ ቢሮ ፀፅታን ሰላምን ክልል ኦሮሚያ ፀዊዑ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሻፊ ሑሴን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንዘሓለፉ 27 ዓማውቲ ንህዝቢ እቲ ክልል ብምስቓይ ንብረቱ ብዘይኣግባብ እናዘረፈ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም፡፡

እቲ ጉጅለ ብቃልሲ ህዝቢ ምስተወገደ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝመፅአ ለውጢ ንምቕልባስ ግልፂ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት እናፈጠረን ይርከብ ኢሎም፡፡

ካብ ውሽጢን ወፃኢን ሰላም ኢትዮጵያ ብምህዋኽ ውልቃዊ ድሌቶም ንምዕዋት ምስ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ተዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ሸኔን ብምውዳድ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሰላም ከይህሉ እናሰርሐ ይርከብ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ህዝቢ ኦሮሞ እውን ዝተረኸበ ዓወት ካብ ጉጅለ ግብረ ራዕዳውያን ክሕልዎ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

መናእሰይ እቲ ክልል ትማሊ ብባዶ ኢዲ ኣብ ቅድሚ ታንኪ ጠጠው ብምባል ንወያነ ካብ ስልጣን ከምዘወገዱዎ፥ ሎሚ እውን ኣብ ናይ ትማሊ ቅዋሞም ፀኒዖም ክቃለሱ ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም ክብል ኦ ቢ ኤን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.