Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘመሓላለፎ ውሳነ ተቐባልነት ኣይብሉን-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘመሓላለፎ ውሳነ ኣድልዎኣዊን ተቐባልነት ዘይብሉን ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ተዛሪቦም።

ኣይተ ደመቀ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስሎቬኒያ ኣንዞ ሎጋር ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ኢዮም ነዚ ኢሎም።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን መነግስቲ ኢትዮጵያ ንትግራይ ሰብኣዊ ደገፍ ንምግባር ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪን ብዝምልከት ኣብሪሆም።

ህወሓት ኣብ ልዕሊ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘብፅሖ መጥቃዕቲን ህይወት ዜጋታትን ናብራን ከምይ ከምዘመሰቓቐለን ብዝርዝር ኣረዲኦም።

ህወሓት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዝኣዋ ልዕሊ 20 መኻይን ንወታደራዊ ዕላማ ከምዘውዓለ እውን ተዛሪቦም።

ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ካብ ኢትዮጵያ ለቒቖም ንክወፅኡ ዝገበረሉ ምኽኒያት ኣብሪሆም።

ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘመሓላለፎ ውሳነ ኣብ መሬት ዘለዉ ሓቂታት ዘየገናዘበን ኣድልዎኣዊን ብምዃኑ ተቐባልነት ኣይብሉን ኢሎም ኣይተ ደመቀ መኮነን።

ህወሓት ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘብፅሖ መጥቃዕቲን ደው ንከብል ሓቲቶም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስሎቬኒያ ኣንዞ ሎጋር ብግደኦም፥ ሃገሮም እዋናዊ ኣደ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ብምዃና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታትን ዝግበር ዘሎ ጎንፂን ዘተሓሳስባ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.