Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ተዓዘብቲ ከምዝልእኽ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ኣብ ተካይዶ ሃገራዊ መረፃ ተዓዘብቲ ከምዝልእኽ ገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ አሕመድ ምስ ምስ ጉዳያት ወፃኢን ሓላፊ ፖሊሲን ፀፅታን ከምኡ እውን ምክትል ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ጆሴፍ ቦረል ፎንተልስ ተዛትዮም።

ዶክተር ኣቢይ እቲ ዘተ ብዝምልከት ኣብ ትዊተር ገፆም ከምዝጠቅዑዎ፥ “ለሚ መዓልቲ ንጉሆ ንምክትል ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ጆሴፍ ቦረል ፎንተልስ ረኺበ ኢትዮጵያ ናብ ምዕባለ እትገብሮ ጉዕዞን ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካን ብዝምልከት ተዛቲና” ኢሎም።

ኣብ ናይ ለውጢ መገዲ ዝግበር ጉዕዞ ብቐራፅነት ዝቕፅል ምዃኑ ፅምዝገለፁሎም እውን ኣብሪሆም።

ጆሴፍ ቦረል ፎንተልስ፥ እቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ንዝርከብ ለውጢ ኣድላየ ሓገዝ ክገብር ከምዝበሉዎም እውን ዶክተር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

ብተወሳኺ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃ ከምዝለእኽ እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ኣፍሊጦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.