Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ ንምክልኻል ኮቪድ 19 ዝውዕል 300 ሚሊየን ዶላር ከተኣኻኽብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ንምክልኻል ኮቪድ 19 ዝኸውን 300 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘተኣኻኽብ ኣፍሊጡ።

እቲ ገንዘብ 14 ጥቅምቲ ብዌቢናር ኣብ ዝሳለጥ ምድላው ዝእከብ እንትኸውን፥ እቲ ምድላው ብቋንቋታት ዓረብኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ፈረንሳይኛን ፖርቹጊዝን ክመሓላለፍ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ምድላው ኣብ ክሊ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ቫይረስኮሮና ዘድሃበ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕ ከምዝዕመም ተገሊፁ።

እቲ ሕብረት ቅድመ ሐዚ 44 ሚሊየን ዶላር ብተመሳሳሊ መገዲ ከምዝኣከበ ይፍለጥ።

ኮቪድ 19 ኣብ ኣፍሪካ ንዘብፅሖ ዘሎ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ቅልቅላው ንምክልኻልን ዓቕሚ ማእኸል ምቁፅፅር ሕማማት ኣፍሪካ ንምጥንኻርን ዝውዕል ደገፍ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ምድላው እዋናዊ ኣቢጨቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማት ከምኡውን ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም መደረ ከመዝገብሩ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.