Fana: At a Speed of Life!

መላእ ኢትዮጵያዊያን ንዝተጎድኡ ወገናት ድጋፍ ብምግባር ናይ እምነት ግዴተኦም ንክዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መላእ ኢትዮጵያዊያን ንዝተጎድኡ ወገናት ድጋፍ ብምግባር ናይ እምነት ግዴተኦም ንክዋፅኡ ኣቦታት ሃይማኖት ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ምኽኒያት ንዝተጎድኡ ወገናናት መላእ ኢትዮጵያዊያን ደገፍ ንክገብሩ ኢዩ  ውዒት ቀሪቡ።

እቲ ፃውዒት፥ “ንወገን ብምብፃሕ ናይ እምነት ግዴታና ንዋፃእ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እዋናዊ ዛዕባ ኢዩ ቀሪቡ።

ኣብቲ መግለፂ፥ ብኲናትን ተፈጥሮኣዊን ኣጋጣሚታት ደቂ ኣኒስቲዮ፣ ህፃናት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ኣረጋዊያን ሓዊሱ ብዙሓት ወገናት ንተደራራቢ ፀገማት ከምዝተቓልዑ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ መላእ ኢትዮጵያዊያን ንዝተጎድኡ ወገናት ድጋፍ ብምግባር ናይ እምነት ግዴተኦም ንክዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ።

ነዚ ድማ ደገፍ ገንዘብ ንምግባር ዘኽእል ቁፅሪ ሒሳብ 1000496459001 ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ከምዝተኸፈተ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.