Fana: At a Speed of Life!

መረፃ ብሰለማዊ መገዲ ንምፍፃም ዘኽእሉ ስራሕቲ ለውጢ ተሰሪሖም ኢዮም-ኣይተ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ብሰለማዊ መገዲ ንምፍፃም ዘኽእሉ ስራሕቲ ለውጢ ተሰሪሖም ኢዮም ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

እቶም ኣፈ-ጉባኤ ቅድመ ምድላው እቲ ምርጫ ብዝምልከት ምስ  ተዓዘብቲ ምርጫ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛቲዮም።

እቲ ምርጫ ነጻ፣ ፍትሓዊን ተኣማኒን ኮይኑ ንክዛዘም  ኩሎም ፖርቲታት ፖለቲካ ብዝተሳተፉሉ መገዲ ሕጊ ምርጫ  ከምዝተመሓየሸን ኣባላት ምርጫ ቦርድ ከምዝተመረፁን ኣብሪሆም።

ኣብ ዝተቀመጠሉ መርሃ-ግብሪ ንክፍፀም ናውቲ ምርጫ ናብ  ጣቢያታት ምርጫ ከምዝተጎዓዓዘ ሓቢሮም።

ኣብ ከይዲ ንዘጋጠሙ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ሕጋዊ ኣሰራርሓታት ከምዝተዘርግሑ ምግላፆም ካብቲ ቤት ዕዮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.