Fana: At a Speed of Life!

መሪሕ ትልሚ 10ን 5ን ዓመት ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዝምልከት ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መሪሕ ትልሚ ቀፃሊ 10ን 5ን ዓመት ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዝምልከት ዘተ ተሳሊጡ።

ህዝቢ ብማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ልምዓት ተረባሒ ክገብሩ ኣብ ዝኽእሉ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲን ኣንፈታትን ዘድሃበ ትልሚ ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ኣቕርባት ልምዓት ኣባይቲ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ መፍትሒ ፀገማት ኮንስትራክሽንን ኢንዱስትሪን ኣብ ዝብሉን እቲ ቤት ዕዮ ምስ ካልኦት ሚኒስቴራት ብሓባር ብምዃን ኣብ ዝሕዞም ትልሚታት ዝምልከቱ ሓሳባትን ርእይቶታትን ካብ ተሳተፍቲ ቀሪቦም።

ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፥ እቲ ትልሚ 10 ዓመት ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዘጠቓለለ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ከም ቤት ዕዮ ኣብ ፌዴራል፣ ክልላትን ከተማታትን ከምኡውን ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ተግባራዊ ክኾኑ ኣብ ዝኽእሉ ሸቶታት ብምፍላይ ናት ጭቡጥ ውፅኢት ንምሽግግር ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.