Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ሳልሳይ ደረጃ ንዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ተሳሊጡ።

ኣብ ኮሎምብያ ከተማ ካሊ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም 3ይ ደረጃ ዝሓዘ ልኡኽ፤ ትማሊ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

እቲ ጉጅለ ሎሚ ንጉሆ ሰዓት 1፡30 ካብ ሆቴል ስካይላይት ተበጊሱ፤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተመርጹ ቀንዲ ጽርግያታት ብምዝዉዋር ንዜጋታት እንኳዕ ሓጎሰኩም ከምዝበሉ ተገሊፁ።

ሎሚ ኣብ ሆቴል ስካይላይት ነቲ ልኡኽ፤ መደብ ምትብባዕ ሽልማትን፣ ኣፍልጦን  ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንመራሕቲ ካብ 40 ክሳብ 75 ሺሕ ሽልማት ዝተበርከተሎም እንትኸውን፥ ወርቂ ሜዳሊያ ንዘምፅኡ 300 ሺሕ ብር፣ ብሩር ንዘምፅኡ 200 ሺሕ ከምኡውን ሜዳሊያ ነሓስ ንዘምፅኡ 100 ሺሕ ብር ሽልማት ተዋሂቡዎም።

ዲፕሎማ ነዝረኸቡ ኣትሌታት ድማ 50 ሺሕ ብር ሽልማት ከምዝተበርከተሎም ተገሊፁ።

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ድማ ወርቂ ሜዳሊያ ንዘምፅኡ 150 ሺሕ ብር፣ ብሩር ንዘምፅኡ 100 ሺሕ ከምኡውን ሜዳሊያ ነሓስ ንዘምፅኡ 75 ሺሕ ብር ሽልማት ተዋሂቡዎም።

ኣብ ኮሎምብያ ከተማ ካሊ ኣብ ዝተኻየደ መበል 19 ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት፤ ኢትዮጵያ ብድምር 12 መዳልያታት 6 ወርቂ፣ 5 ብሩርን 1 ነሓስን ብምርካብ 3ይ ደረጃ ሒዛ ምዝዛማ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.