Fana: At a Speed of Life!

መበል ሳልሳይ መድረኽ ፎረም ቢዚነስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል ሳልሳይ መድረኽ ፎረም ቢዚነስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ብኣሰናዳኣይነት ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ዝተዳለወ እንትኸውን፥ “ኣብ ልዕሊ ህዝብታት፣ ፕላኔትን ምዕባለን መዋዕለ ንዋይ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ኢዩ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ዶክተር ቬራ ሶንግዌ ነቲ መድረኽ ብመደረ ዝኸፈትዎ እንትኾኑ፥ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ኣብቲ ፎረም ብምርካብ ልምዶም የካፍሉ ኣለዉ።

ፕሬዚዳንት ዚምባቡዌ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ንቕድሚት ንምስጓም ዓውዲ ኢነርጂ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ኢሎም።

ቅድመ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ዚምባቡዌ ዝተነበረ ማዕቐብ፥ እታ ሃገር ኣብ ውሽጣ ኣብ ዝርከቡ ሃፍቲታት ጥራሕ ፅግዕተኛ ንክትኸወን ከምዝገበርዋ አወን ተዛሪቦም።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ፥ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘሰዕቦ ፈተናታት፣ ቀፃልነት ዘለዎ ኣቕርቦት ኢነርጂ፣ ሓለዋ ጥዕና፣ ኣብ መፍረይቲ መድሓኒታትን ናውቲ ሕክምናን፣ ምምሕዳርን ቀፃልነት ዘለዎ ምርግጋፅ ልምዓትን ብዝምልከት ዘተ ከምዘግበር ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.