Fana: At a Speed of Life!

መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣባባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይኽበር ኣሎ።

ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ በዓል 11 ለካቲት፥ “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ካብ ዕለት 1 ለካቲት ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣብ ኩለን ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ክልል ትግራይ ዝኽበር ዘሎ እንትኸውን፥ ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብዝደመቐ ኩነታት ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ በዓል ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዞባን ከተማን፣ ነባሪ ከተማ ዓዲግራት፣ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ዓዲግራትን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ተረኺቦም ኣለዉ።

እቲ በዓል ብብርኪ ክልል ዕለት 11 ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ብዝደመቐ ኩነታት ክኽበር ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.