Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲን ህዝቢን ክልል ሶማሌ ሉኣላዊነትን ናፅነትን ሃገር ንምኽባር ዝኽፈል መስዋእትነት ንደሓር ኢሉ ኣይፈልጥን – መንግስቲ ክልል ሶማሌ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲን ህዝቢን ክልል ሶማሌ ሉኣላዊነትን ናፅነትን ሃገር ንምኽባር ዝኽፈል መስዋእትነት ንደሓር ኢሉ ከምዘይፈልጥ መንግስቲ ክልል ሶማሌ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ፥ መንግስቲን ህዝቢን እቲ ክልል ኢትዮጵያ ኣብ ምምዕባል ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ምፅንሑ ገሊፁ።

ሕዚ እውን ከምትማሊ ኣብ ልዕሊ ሉኣላውነት ሃገር ዝፍኖ ናይ ውሽጢን ወፃን ትንኮያ ንምፍሻል ድሉው ከምዝኾነ ገሊፁ።

መንግስቲ ፌዴራል ዝወሰዶ ስጉምቲ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ንህዝቢ ፅቡቕ እዋን ፅምዋ ዝፈጠረ ስለዝኾነ፥ መንግስቲ ክልል ሶማሊ ኣሚኑሉ እናደገፎ ከምዝፀንሐ ኣብሪሁ።

ይኹ እምበር፥ ጉጅለ ህወሓት ንረብሓ ህዝቢ ተባሂሉ ዝተገበረ ፃውዒት ቦታ ከምዘይሃቦ ብግልፂ ኣርኢዩ ኢዩ ኢሉ እቲ መግለፂ፡፡

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ይቃለሰሎም ኢየ ኢሉ ዝዛረበሎምን ብሽሞም እናነበረ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ ንህዝቢ ሓሲቡ ኣይፈልጥን ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተደንገገ መሰል ህፃናት ብምጥሓስ ህፃናት ናብ ኲናት እናእተወ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ክልል ሶማሊ ኣብ መግለፂኡ፥ መንግስቲ ፌዴራል ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ንምግባር ዝፀወዖ ፃውዒት ተቐቢሉ ሓላፍነቱ ከምዝዋፃእ ኣረጋጊፁ።

ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ፃውዒት ሃገር ተቐቢሎም እቲ ጉጅለ ራዕዲ ንምጥፋእ ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱ እውን ፀዊዑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.