Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ምኽረ ሓሳብ ውፅት ምርመራ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ተግባራዊ ንምግባር ዘለዎ ድልዉነት ዝበረታታዕ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ምኽረ ሓሳብ ውፅት ምርመራ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ተግባራዊ ንምግባር ዘለዎ ድልዉነት ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ወይዘሮ ራኬብ መሰለ፥ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ሰብኣዊ መሰላት ምፍላጥን ምምሃርን፣ ድንጋገታትን ሕጊታትን ሰብኣዊ መሰል ተፈፃሚነቶም ምክትታል ከምኡ እውን ፕሮግራማት እንትሕንፀፁ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተኻተቱ ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ከምዝሰርሐ ኣብሪሀን።

ብቐንዱ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝነበረ ኩነታት ዘጋጥሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት እናመርመረን ውፅኢቱ ዕላዊ እናገበረን ከምዝፀንሐ ገሊፀን።

ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ፈለማ ኣብ ትግራይ ቀፂሉ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘጋጠሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዓለም ለኸ ደረጅኡ ብዝሓለወ መልክዑ ምርመራ ምግባሩ ኣዘኻኺረን።

በቲ ኮሚሽን ዝወሃቡ ምኽረ ሓሳባት ተግባራዊ ኣብ ምግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝበረታታዕ ስጉምቲታት እናወሰደ ከምዝኾነ ፀሪሐን።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ስዒቡ ዝተውሃበ ምኽረ ሓሳብ ንምትግባር ግብረ ሓይሊ ሚኒትራት ምጥያሹ ከም ፅቡቕ ጎኑ ኣልዒለን።

ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓማውቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ስዒቡ ብዝተገበሩ ውፅኢት ምርመራታት መሰረት ዝተውሃቡ ምኽረ ሓሳባት ብዝበረታታዕ መልክዑ እናተተግበሩ ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.