Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዳርፉር ምስ ዝርከቡ ዓመፅቲ ስምምዕነት ሰላም ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዳርፉር ምስ ዝርከብ ዋና ጉጅለ ዓመፅቲ ኣብ ስምምዕነት ሰላም ምብፅሑ ተገሊፁ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎኦም ን17 ዓማውቲ ዝዘለቐ ጎንፂ ናብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ዘምፅእ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ስምምዕነት ከይዲ ድርድር ንነዊሕ እዋን ሓገዝ እናገበረት ኣብ ዝነበረት ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ ኢዩ ተሳሊጡ።

ትማሊ ናብ ጁባ ዘምርሑ ቀዳማይ ሚኒስትረ ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ከይዲ እቲ ስምምዕነት ግዘ ምውሳዱ ገሊፆም።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሰለስተ ዓመፅቲ ብምውካል ማሊክ ኣጋር ነቲ ስምምዕነት ከምዝፈረሙዎ ተገሊፁ።

በሂደቱ በጸጥታ፣ በመሬት ባለቤትነት፣ በፍትሕ፣ በስልጣን ክፍፍል እንዲሁም በጦርነት ምክንያት ከቀያቸው በተፈናቀሉ ሰዎች ዙሪያ ስምምነት ደርሷል።

ኣብ ጉዳይ ፀፅታ፣ ዋንነት መሬት፣ ፍትሒ፣ ክፍፍል ስልጣን ከምኡ እውን ብኲናት ምኽንያት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ብዝምልከት ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ።

ወታደራት ጉጅለ ዓመፅቲ ዕጥቆም ብምፍታሕ ናብ ሰራዊት ምክልኻር ሃገር ንኽፅምበሩ ዘኽእል ስምምዕነት ኢዩ እውን ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.