Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝዓለመ ን15 መዓልታት ዝፀንሕ ዝርዝር ነጥብታት ህፁፅ ኣዋጅ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፈፃሚት ስራሕ ካብኔ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ህዝቢ ትግራይ ሓደጋ ከየብፀሐ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዓሊሙ ን15 መዓልታት ዝፀንሕ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከምዝተኣወጀ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።።
 
ብመሰረት ተመሓይሹ ዝወፅአ ሕገ-መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዓንቀፅ 56 ንኡስ ዓንቀፅ 8 ከምኡ ዉን ዓንቀፅ 103 ንኡስ ዓንቀፅ 1 መንግስቲ እቲ ክልል ድንጋገ ህፁፅ እዋን ክውስን ከምዝኽእል ይፍለጥ።
 
ስለዝኾነ ፈፃሚ ስራሕ ካብኔ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና (COVID-19) ንምክልኻል ዘኽእል ድንጋገ ህፁፅ እዋን ትማሊ ምውሳኑ ይፍለጥ።
 
ዝርዝር ድንጋገ እቲ ህፁፅ እዋን ድማ ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል መግለፂ ከምዝወሃበሉ ተሓቢሩ ነይሩ።
 
ስለዝኾነ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ዝሃቡ ዶክተር ደብረፂዮን፥ ነቲ ለበዳ ቫይረስ ንምቁፅፃር ብብርኪ ክልል ዝተጣየሽ ግብረ ሓይሊ 22 ጉዳያት ኣፅኒዑን ገምጊሙን ዘቕረቦ ፀብፃብ መሰረት ብምግባር እቲ ካብኔ ነቲ ኣዋጅ ከምዘመሓላለፈ ኣብሪሆም።
 
ብምሰረት እዚ፥ ኣብ ትግራይ ካብ ገጠር ናብ ከተማ፣ ካብ ከተማ ናብ ከተማ፣ ካብ ከተማ ናብ ገፀር ዝግበሩ ዝዉዉራት ንክልተ ሰሙናት ተኣጊዱ ኣሎ።
 
ህዝቢ ብበዝሒ ዝእከበሎም ሰሙናዊ ዕዳጋታት እውን ተኣጊዶም ኣለዉ።
 
መርዓ፣ ተስካር ዝበሉ ማሕበራዊ ርክብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ጠጠዉ ክብሉ ተወሲኑ።
 
ትካላት ንግዲ፣ ማእኸላት መዘናግዒ፣ እንዳ ጫት፣ ለይታዊ ሳዕሲዒት(Night Club)፣ ፀወታታት ኩዕሶን ካልኦትን ተኣጊዱ ኣሎ።
 
ጥኑሳት፣ ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ጥሮታ ክወፁ ዝቐረቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ኣብ ገዛ ክኾኑ ተወሲኑ ኣሎ።
 
ተምሃራይ ይኹን ትኩስ ሓይሊ መንእሰይ ትግራይ ነቲ ስግኣት ዓለም ኮይኑ ዘሎ ቫይረስ ንምክልኻል ኣድላይ እንተኾይኑ ንሓገዝ ብዝኽእሎ ንክዋፈር ፃዉዒት ክግበር እዩ ተባሂሉ።
 
ኣኼባታት እውን ተኣጊዶም ኣለዉ።
 
ቤት ትምህርቲ ተዓፅዮም ተምሃሮ ግዘኦም ከይባኽን ትምህርቲ ብሬድዮ ክመሃሩ ተወሲኑ ኢሎም።
 
መንግስታዊ ግልጋሎት ዝህባ ኣብያተ ዕዮ ብዝምልከት፥ ቤት መዘጋጃ ሓዊሱ ንክልተ ሰሙን ግድን ዘየድሊ ስራሕ ዘለወን ክዕፀዋ ከምዝተወሰነ እውን ዶክተር ደብረፂዮን ገሊፆም።
 
ይኹን እምበር ኣብ ገዛ ኮይንካ ዝስራሕን ኣብ ቢሮ ብኣካል ዝስራሕን ብዝብል መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ዘቕርባ ዘለዋ እንትኾና፥ በቲ ዘቕርበኦ ዘሎዋ ፀብፃብ ተግባራዊ ክኸዉን ኢዩ ተባሂሉ።
 
በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ካብተን ክዕፀዋ ዝተወሰነለን ኣብያተ ዕዮ ሓደ እንትኸውን፥ ምኽንያት ድማ ግብሪ ዓሸራ ንኽክእ ስለዘለዎ እዩ ተባሂሉ።
 
ቤት ህንፀት ብዝምልከት ተሃናፃይ ምሕታት ዝተኸልኸለ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ህንፀት ዘለው ወገናት በቲ ዝወፅአ መምርሒ ፅሬት ክሕልው ይገበር ኢሎም።
 
ዶክተር ደብረፂዮን ኣብ መግለፂኦም፥ ካብቲ ለበዳ ንምድሓን ኣብቶም ኣብ ሰራሕ ክፀንሑ ዝተወሰነ ኣብያተ ዕዮ መስርሕ ኣቀማምጣን ኣጠቓቕማ ሳኒቴሽንን ክትግበር ኣለዎ ኢሎም።
 
መጉዓዝያ ዝምልከት ካብቲ ዝሕዘኦ ዝነበራ ብፍርቂ ተጉዓዛይ ነክየን ክሕዛ ዝተወሰነ እንትኸውን፥ ባጃጃት ድማ ሓደ ሓደ ሰብ ጥራሕ ክፅዕና ተወሲኑ ኣሎ።
 
እዚ ኣዋጅ ንክልተ ሰሙን (15 መዓልቲ) ዝፀንሕ ኢዩ ዝበሉ ዶ/ር ደብሪፅዮን፥ ምንዋሕ ኣድላይ እንተኾይኑ ኣብ ቀፃሊ ተራኢዩ ዝዉሰን ይኸዉን ኢሎም።
 
ምጥያሽ ኮሚቴታት ብዝምልከት ድማ፦ ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝቆፃፀር ሴክረተሪያት ከምዝተጣየሸ ተገሊፁ።
 
ማዕኸናት ዜና ዝመርሕ ኮሚቴ እውን ዝተጣየሸ እንትኸውን፥ ኣብ ኩለን ሆስፒታላት ትግራይ ፍሉይ መፅንሒ፣ ሰብ ሞያን ኣንቡላንሳትን ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።
 
እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana
 
ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ Tigray Mass Media Agency
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.