Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ንሓረስቶት ስራሕቲ ሕርሻ ንኸካይዱን ሰብኣዊ ሓገዝ ንክመቻቸን እንተገበረ እውን ተረፍ መረፍ ህወሓት ንኣወሃህባ ሓገዝ ፅንቅፋት ይኾኑ ኣለዉ-ቤት ፅሕፈት ቀ/ሚ

ኣዲስ ኣበባ ፣  15 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ንሓረስቶት ስራሕቲ ሕርሻ ንኸካይዱን ሰብኣዊ ሓገዝ ንክመቻቸን እንተገበረ እውን ተረፍ መረፍ ህወሓት ንኣወሃህባ ሓገዝ ፅንቅፋት ይኾኑ ኣለዉ ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ገሊፁ።

በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ቅድሚ ምውሳኑን  ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ መቐለን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ቅድሚ ምውፅኡን ብሄራዊ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ህፁፅ ጊዘን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብሰለስተ ዙራት ደገፍ እናገበረ ፀኒሑ ኢዩ።

ብተወሳኺ እቲ ኮሚቴ ኣብ መኽዘን 400 ሺሕ ኩንታል ስንዳይ፣ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዘይቲ ብልዒ፣ 14 ሚሊየን ሊትሮ ነዳዲ ንሕብረተሰብ ንክኸውን ክቕመጥ ገይሩ ኢዩ።

ዓለም ለኸ ትካላት ረድኢት ንዝተፀገሙ ወገናት ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክገብራ መንግስቲ ፍቓድ ከምዝሃበ ገሊፁ።

ይኹን እንበር መንግስቲ ንሓረስቶት ስራሕቲ ሕርሻ ንኸካይዱን ሰብኣዊ ሓገዝ ንክመቻቸን እንተገበረ እውን ተረፍ መረፍ ህወሓት ንኣወሃህባ ሓገዝ ፅንቅፋት ይኾኑ ኣለዉ ክብል እቲ ቤት ፅሕፈት  ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.