Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዕለተ ረቡዕ ኣብቲ ክልል ኣብ ዘለዋ ዝተፈላለያ ከተማታት ንዝተፀወዐ ሰለማዊ ሰልፊ ኣፍልጦ ከምዘይሃበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዕለተ ረቡዕ ኣብቲ ክልል ኣብ ዘለዋ ዝተፈላለያ ከተማታት ንዝተፀወዐ ሰለማዊ ሰልፊ ኣፍልጦ ከምዘይሃበ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብማሕበራዊ ሚዲያ ኣቢሉ ቀፃሊ ረቡዕ  ዝተፀወዐ ሰለማዊ ሰልፊ ክልል ኣምሓራ ንክረጋጋዕ ንዘይደሊዩ ሓይሊታት ህውከት ንምፍጣር ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ እዚ እዋን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዘጋጠኘሉን ግድብ ህዳሰ ዓለም ለኻዊ ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉን ጊዘ  ሰለማዊ ሰልፊ ምግባር ሕጋዊ ኣይኮነን ኢሎም።

ስለዝኾነ መነግስቲ እቲ ክልል ምንም ዓይነት ሰልፊ ንከይካየድ ከምዝወሰነ ተዛሪቦም።

ነዚ ብምጥሓስ ሰለማዊ ሰልፊ ዝወፅእ ኣካል እንተሃሊዩ ግን ሓይሊ ፀፅታ ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ ኢሎም።

ብናትናኤል ጥጋቡ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.