Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ፌዴራል ንትግራይ ድሕንነትን ጥዕናን ልዑል ዋጋ ዝህብ ስለ ዝኾነ ኣብቲ ክልል ምርግጋዕ ንክነግስ ኣድላዪ ኩሉ ክንገብር ኢና- ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልኡኽ ምኽባር ሕጊ ዝወፈረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ዘመዝገቦ ዓወት ዝነኣድ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ሰራዊት ምክኻል ሃገር ትማሊ ምሸት ኣብ ዙሪያ ዓዲግራት ዘለዉ ከባቢታት ድሕሪ ምቁፅፅሩ ሎሚ መዓልቲ ድማ ከተማ ዓዲግራት ካብ ሓይሊ ህወሓት ሙሉእ ብሙሉእ ነፃ ኣውፂኡዋ ኣሎ ኢሎም።

መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከተማታትን ከባቢታትን ዝርከቡ ዜጋታት፣ ብሓይሊ ፀፅታ ሓለዋ እናተገበረሎም ናብ ንቡር ስረሖም ምምላስ ከምዝጀመሩ እውን ገሊፆም።

ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምዃን ሰብኣዊን ማሕበራዊን ድልየታት ዝማልእሉ መገዲ ከምዝተመቻቸወ እውን ኣፍሊጦም።

ተግባራት ሰብኣዊ ደገፍ ንምክትታል ብመንግስቲ ፌዴራል ዝተጣየሸ ላዕለዋይ ኮሚቴ፣ ተመጣጣኒን እዋናዊን ደገፍ ንምቕራብ ዘኽእል ሓበሬታ ንከተኣኻኽቡ ጭቡጥ ኩነታት ዘፃርዩ ልኡኻት ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኹ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ከምዝበልዎ፥ እቲ ኮሚቴ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት መረበቶም ብምግዳፍ ዝተሰደቱ ዜጋታት ኩሎም ናብ መረበቶም ንምምላስ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምዃን ዝሰርሖ ስራሕ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ ፌዴራል ንክልል ትግራይ ሓፈሻዊ ድሕንነትን ጥዕናን ልዑል ዋጋ ዝህብ ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ምርግጋዕ ንክነግስን ዜጋታት ካብ ጉድኣትን ሰኣኖን ነፃ ንክኾኑ ንምግባርን ኣድላዪ ኩሉ ክንገብር ኢና ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.