Fana: At a Speed of Life!

መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክላዘቡ ክራይስስ ግሩፕ ፀዊዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለምለኻዊ ትካል ክራይስስ ግሩፕ ኣብ ሞንጎ ትግራይን ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ሓይሉ ናብ ጎንፂ ክሰጋገር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ገሊፁ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ኣካላት ዘሎ ዘይምርድዳእ ናብ ዝለዓለ ፅፍሒ ቅድሚ ምብፅሑ ክኣልዩዎም ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ናይ መፍትሒ ሓሳባት ዘርዚሩ።

ክልቲኦም መንግስታት ዘቐመጡዎ ቅድመ-ኩነት ገዲፎም ንዘተ ቅሩባት ክኾኑ ኣለዎም ዝብል እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኮይኑ፥ ጉዳይ ባጀት፣ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ትፅቢት ዝግበሩ ዕዮታትን ካልኦትን እውን ብዝርዝር ኣቐሚጡ።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ንክልላት ባጀት ከም ዘከፋፍል ብምግላፅ፥ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ንፈፃሚ ኣካል ትግራይ ዝወሃብ በጀት የለን ምባሉ ኣዘኻኺሩ።

እንተኾነ እዚ ነቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ትግራይን ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ከጋድዶ ከም ዝኽእል የጠንቕቕ።

መንግስቲ ፌደራል ኣብዚ ዓመት እቲ ንትግራይ ዝብፅሓ ባጀት ብቐጥታ ናብ ምምሕዳር ወረዳታትን ከተማታትን ክወሃብ እዩ ምባሉ ይፍለጥ።

መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ትግራይ “ዳርጋ ኲናት ምእዋጅ’ዩ” ዝብል ምላሽ ከም ዝሃበሉ ይዝከር።

ስለዝኾነ ድማ ክልቲኦም ኣካላት ነዚ ምስሕሓብ ገዲፎም ንዘተ ቅሩባት ክኾኑ ክራይስስ ግሩፕ ፀዊዑ’ሎ።

መንግስቲ ፌደራል ንዘተ ቅሩብ ንክኸውን ንግዚኡ’ውን እንተኾነ እቲ ናይ ባጀት እገዳ ከልዕሎ ክራይስስ ግሩፕ ፀዊዑ።

ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘላ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ንከይዓቢ ማሕበረሰብ ዓለም እጃሙ ከበርክት’ውን ሓቲቱ ኣሎ።

መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮፓን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንዘተ ቅሩብ ክኸውን ፀቕጢ ክገብሩ ኣለዎም ዝብለ እቲ ትካል፥ መንግስቲ ትግራይ’ውን ንመንግስቲ ፌደራል ዝምልከት ቶኽታዂ ዝኾነ መግለፂ ካብ ምውፃእ ክቑጠብ ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ክገብረሉ ይግባእ ኢሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.