Fana: At a Speed of Life!

መከራ እንትገጥመና ብሓድነት ከምእንሻገሮ ብተግባር ነርእይ – ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ቫይረስኮሮና ዘስዕቦ ፀገም ብምፅዋር ብዓወት ንምሽጋር ብዝምልከቶ ኣካል ዝወሃቡ መምርሒታት ተግባራዊ ምግባር ከምዘድሊ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ከምዝፀሓፍዎ፥ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ቫይረስ እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ኣይተዛረበን፤ ይኹን እምበር ቅድመ ምድላውን መምርሒ ተኸቲልካ ተግባራዊ ምግባርን ነቲ ፀገም ተፃዊርካ ምሕላፍ ዘኽእሉ ሜላታት ኢዮም።

እቲ ዝኸፍአ ኩነታት እንተጋጢሙ እውን፥ “ተዳሊና ምፅናሕና ነቲ ጉድኣት ይቕንሶ ኢዩ” ኢሎም።

ስለዝኾነ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዘኽእል ገንዘብን ካልኦት እታዎታትን ዘተኣኸኽብ ኮሚቴ ትማሊ ምጥያሹ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ብብርኪ ፌዴራል፥ ማእኸላት መወሸቢ፣ መዕቖብን መሐከሚን ከምዝተዳለወ እውን ሓቢሮም።

ብቐፃሊ ድማ ዘድሊ እታዎት ናይ ምምላእ ስራሕቲ ከምዝስራሕ ዝሓበሩ ዶክተር ኣቢይ፥ ክልል መንግስታት እውን ተመሳሳሊ ምድላው ከምዝገብሩ ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም፥ ካብ ምድንጋፅ፣ ፍርሒን ጭንቀትን ወፂእና ዘለዉና እታዎታት ናብ ብሄራዊ ኮሚቴ ምትእኽኻብ እቶት ብምውሳኽ ኣስተዋፅኦ ክንገብር ይግባእ እውን ኢሎም።

ገንዘብ ንምውፃእ ዘኽእሉ፥ ስርዓታት ቁፅሪታት ሒሳብ ባንኪን ሓፂር መልእኽቲን ከምዝተዳለዉ አውን ሓቢሮም።

ብድምር መከራ እንትገጥመና ብሓድነት ከምእንሻገሮ ብተግባር ነርእይ ክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.