Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ “ኢትዮጵያውያን ነኒባዕሎም ስለዘይስማዕምዑ ዝደለኹዎ ክፍፅም ኢየ” ኢሉ ብጉራ ዝመፅአ ፀላኢ አሕሮም ዝመለሱሉ ኢዩ – ኣፈ ጉባኤ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)”ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝተንፀባረቐሉን ኢትዮጵያን ምስ ሙሉእ ክብራ ሓሊዮም ንተተካኢ ወለዶ ዘመሓላለፉ ጀጋኑ ንዝክረሉ መበለ 80 ዓመት በዓል ሓርበኛታት ንብሄራት፣ ብሄረሰባትን ሕዝቢታትን ኢትዮጵያ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ” ክብሉ የፌዴሬሽን ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

እቶም ኣፈ-ጉባኤ ፅባሕ ዝኽበር መበል 80 ዓመት መዓልቲ ሓርበኛታት ኣመልኪቶም ናይ እንኳ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣይተ ኣደም ኣብ መልእኽቶም፥ መዓልቲ ሓርበኛታት ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ሕዝቢታትን ኢትዮጵያ ብዙሕነቶም ሓፁር ኮይኑ እንተይተፈላለለዮም፣ ኣፈላላይ ሓሳብ እንተይነፀሎም ሃገርን ህዝቢን ንምድሓን ባሕሪ ተሳጊሩ፣ ጦር ተሓንጊጡ ህዝቢ ዝውድእ መሳርሒ ተዓጢቑ ንዝመፅአ ወራሪ ፀላኢ ብሓድነት ተሰሊፎም ብምቅላስ ኣኽሊል ዓወት፣ ቀንዲል ኣይሰዓርን ከምኡ እውን ዘለኣለማዊ ዓወት ከምዝተጎናፀፉ ንህዝቢ ዓለም ዘብሰሩላ መዓልቲ ከምዝኾት ገሊፆም፡፡

ብዘፍሰሱዎ ደምን ብዝተኸስከሰ ኣዕፅምቶምን ኢትዮጵያ ምስ ሙሉእ ክብራ ሓሊዮም ንተተካኢ ወለዶ ከመዘመሓላለፉዋ ገሊፆም፡፡

መዓልቲ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ “ኢትዮጵያውያን ነኒባዕሎም ስለዘይስማዕምዑ ዝደለኹዎ ክፍፅም ኢየ” ኢሉ ብጉራ ዝመፅአ ፀላኢ አሕሮም ዝመለሱሉ ከምዝኾነ እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣገንዚቦም፡፡

ናይ ሕዚ ወለዶ ድማ ንፋስ ብዘምፀኦ ወረ እንተይተታለለ፣ ብናይ ሕሶት ወረ እንተይተዳህለለ፣ ብስምዒት እንተይኮነስ ብህድኣት፣ ብኣፈላላይ ዘይኮነስ ብሓድነት፣ ብምርሕሓቕ ዘይኮነስ ብመንፈስ ምድማር ዝተጀመረ ጉዕዞ ሓድነትን ምዕባለን ክቕፅል ብምግባር ቀትሪን ለይቲን ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.