Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፅርየት ኣወሃህባ ኣገልግሎቱ ንምምሕያሽ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፅርየት ኣወሃህባ ኣገልግሎቱ ንምምሕያሽ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።

እቲ ስምምዕነት ኦ ኢ ኤም ሰርቪስ ምስ ዝበሃል ኩባኒያ ኣፍራዪ ናውቲን ኣቕራቢ ኣገለግሎት ፅገናን ኣውሮፕላን ዝተኸተመ እነትኸውን፥ ንብዙሕ ዓማውቲ ከምዝፀንሕ ተገሊፁ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት እቲ ኩባኒያ ንኣውሮፕላናት ኤ350 ኤር ባስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መለዋወጢ ኣቑሑ በምቕራብን ኣገልግሎት ፅገናን ብምሃብ ክትትል ክገብር ኢዩ ተባሂሉ።

እዚ ድማ ፅርየት ኣወሃህባ ኣገልግሎት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፥ እቲ መገዲ ኣየር ፅዕንቶ ኮቪድ 19 ብምፅዋር ውፅኢታዊ ምዃኑ ምርኣዩ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.