Fana: At a Speed of Life!

ሚሃይል ሚሹስቲን ቀዳማይ ሚኒስትር ሩሲያ ኮይኖም ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሩሲያ ፕዚዳንት ብላድሚር ፑቲን ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ክሽየሙ ሕፁይ ገይሮም ዘቕረቡሉ ሽመት ኣፅዲቑ።

ፕዚዳንት ብላድሚር ፑቲን ሕገ መንግስቲ ንኽመሓየሽ ድሌት ከምዘለዎም ምግላፆም ስዒቡ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ዝነበሩ ዲሚትሪ ሜድቬዴቭ ካቢኔኦም ክብትንዎ ክኢሎም ኢዮም።

ብምኽንያት ምብታን እቲ ካቢኔ ድማ ፕዚዳንት ፑቲን ንቀዳማይ ሚኒስትርነት ዘቕረቡዎም ሕፁይ ብታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ሩሲያ ሓገዝ ምርካቡ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ብዙሕ ልምዲ ፖለቲካ የብሎምን ተባሂሉ ዝዝረበሎም ሚሃይል ሚሹስቲን ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሀገር ኮይኖም ተሾይሞም ኣለዉ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ 424 መቐመጢ እቲ ቤት ምኽሪ 383 ድምፂ ክረኸቡ ክኢሎም ኢዮም።
ፑቲን ዘቕረቡዎ ሕመንግስታዊ ምምሕያሽ ግን ብብዙሓት ሰባት ብፅቡቕ ጎኑ ኣይተራእየን።

ተናሓናሕቲ ፓርቲታት እታ ሃገር “ፑቲን ንሩሲያ ናይ ውልቆም ገይሮምዋ” ብምባል ይኹንኑዎም ኣለዉ።

ሓዱሽ ትልሚ ፑቲን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዝውዳእ ዕድመ ዘመን ስልጣኖም ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ ብምግባር ስልጣኖም ንምንዋሕን ንሩሲያ በይኖም ንምምራሕን ዝዓለመ ኢዩ ብምባል ወቒሶምዎም።

ፍልፍል፦ ሮይተርስ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.