Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ሰላም ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ጉዳይ ሰላምን ልዕልነት ሕጊን ኣድሂቡ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ይዛተ ኣሎ።

“ነጋዶ ማሕበረሰብ ንህንፀት ሃገራዊ ሰላም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እቲ መድረኽ ዘተ እናተኻየደ ዝርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ደቂ ኣንስትዮ ነጋዶ ኣብ ምሕላው ሃገራዊ ሰላም ሓላፍነተን ንኽዋፅኣ ተሓቲቱ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝፍጠሩ ጎንፂታትን ዘይምርግጋዓትን፥ ኣብ ከይዲ ምንቅስቓስ ንግዲ ልዑል ፅዕንቶ እናፈጠሩ ምዃኖም እውን ተገሊፁ።

መሕበረሰብ ንግዲ፥ መናእሰይ ኣብ ምንቅስቓስ ንግዲ ተሳትፎ ክህልዎምን ቁጠባዊ ሓገዝን ብምግባር ናብ ጎንፂ ከይኣትዉ ክገብ ከምዝግባእ እውን ተሓቢሩ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ብምትሕብባር ሚኒስቴር ሰላም፣ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን፣ ዘፈር ማሕበራት ንግዲ ኢትዮጵያን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ነጋዶ ኢትዮጵያን ዝተዳለወ ኢዩ።

ብዘቢብ ተኽላይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.