Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር እቶት ምስ ዝተፈላለዩ ውልቀ ባንኪታት ስርዓት ኢ ፔይመንትን ኢ ታክስን ንምዝርጋሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር እቶት ምስ ዝተፈላለዩ ውልቀ ባንኪታት ስርዓት ኢ ፔይመንትን ኢ ታክስን ንምዝርጋሕ ዘኽእል ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሆቴል ስካይላይት ከቲሙ።

እቲ ሰርዓት ከፈልቲ ግብሪ ናብ ባንኪ ምኻድ እንተይኣድለዮም ኣብ ዘለውዎ ቦታ ብምዃን ከፍሊቶም ንክፍፅሙ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣታዊኦምን ወፃኢኦምን በቲ ኣሰራርሓ ብምጥቃም ንትካል ኣካቢ ግብሪ ዘፍልጥሉ መገዲ ኢዩ ተባሂሉ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ሓዊሱ ንግድ ባንክ፣ ዳሽን፣ ኣዋሽ ፣ ህብረትን ብርሃን ባንከን ምስ ኒስቴር እቶት ስነ ስርዓት ፊርማ ዝፈፀሙ ትካላት  ኢዮም።

ብብስራት መንግስቱ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.