Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣገልግሎት ጥዕና ተበፃሒ ንምግባርን ንምክልኻል ለበዳ ሕማም ኮሮናን ዝሕግዛ ኣምቡላንሳት ንኩለን ክልላት ኣከፋፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣገልግሎት ጥዕና ተበፃሒ ንምግባርን ንምክልኻል ለበዳ ሕማም ኮሮናን ዝሕግዛ ኣምቡላንሳት ንኩለን ክልልትን ምምሕዳራት ከተማን ከምዝሃበ ገሊፁ።

እተን ኣምቡላንሳት ብሳልሳይ ዙር ዝተውሃበ ከምዝኾና ተገሊፁ።

ዕድጊት እተን ኣምቡላንሳት 50 ሚኢታዊ ብቢሮ ጥዕና 50 ሚኢታዊ ድማ ብሚኒስቴር ጥዕና ብዝገበርዎ ሓገዝ ገንዘብ(Matching-Fund) ዝተፈፀመ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ሚኒስቴር ጥዕና ፍትሓዊ ክፍፍል ንምርግጋፅ ብዘኽእል መገዲ መዐቀኒ/ስታንዳርድ ስርዓት ቀመር ፌዴሬሽንን ውድብ ጥዕና ዓለምን ተሓሳቢ ዝገበረ ዕድጊት ብምፍፃም ከምዘከፋፈለ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.