Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝገብሩዎ ዘተ ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ኣብ ኣሜሪካ ዋሸንግተን ዲሲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ዘተ እናቐፀለ ኢዩ።

እቲ ዘተ፥ ኣብ ረቂቕ ስምምዕነት ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ትኹረት ብምግባር ኢዩ ካብ ዕለተ ሰሉስ 19 ጥሪ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ እናተሳለጠ ዝርከብ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣይተ ፍፁም ኣረጋ፥ እቲ ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ ክዛዘም ብዘይምኽኣሉ ካብ ሰሉስ ንደሓር ዝወፀእአ ናይ ሓባር መግለፂ ከምዘየለ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ ዘለዋ መሰል ተረባሕነት ማይ ኣባይ ኣሕሊፉ ዝህብ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕነት ከምዘይትፍፅም እውን ገሊፆም።

ረቂቕ ሰነድ ስምምዕነት ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፥ ቅድሚ ሕዚ ብብርኪ ቴክኒክ ዝተገበሩ ድርድራት ብዝተረኸበ ውፅኢት መሰረት ብምግባር ከምዝተዳለወ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ዶ/ር ኢንጅነር ስለሽ በቀለ ገፆም ምንባሮም ይዝከር።

ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂበን ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ ዝገበረኦ ዘተ ብፅቡቕ ውፅኢት ዛዚመን ነይረን።

ነዚ ስዒቡ ድማ ሰብ ሞያታት ቴክኒክን ሕጊን ዝተሳተፉሉ ናይ መወዳእታ ረቂቕ ሰነድ ስምምዕነት ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ንምድላው፥ ኣብ ሱዳን ካርቱም ተራኺቦም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ እናተሳለጠ ዝርከብ ዘተ፥ ሚኒሰትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ሓዊሱ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሱዳንን ግብፂን፣ ሚኒስትራት ማይ፣ ሰብ ሞያታት ሕጊን ዓውዲ ማይን ሰለስቲአን ሃገራት ተረኺቦም እናተዛተዩ ይርከቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.