Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ምስ መስራቲ ዓለም ለኸ ሕብረት መናእሰይ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ወይዘሮ ኣልማዝ መኮንን ምስ መስራቲ ዓለም ለኸ ሕብረት መናእሰይ ዶክተር ኦክ ሶ ፓርክ ተዛትየን።

እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ ዘተአን፥ ብሄራዊ ፕግራም ግልጋሎት ገባሪ ሰናይ ብምድላው መናእሰይ ተረባሕቲ እቲ ፕሮግራም ንምግባር ምድላው ተዛዚሙ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝኸውን ተዛሪበን።

ብተወሳኺ ቅድሚ ሕዚ ብዓለም ለኸ ሕብረት መናእሰይ ኣቢሎም ዝተውሃቡ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ስልጠናታት፥ መናእሰይ ሰናይ ኣተሓሳስባ ሒዞም ሃገሮም ንኸገልግሉ ልዑል ግደ ከዘበርከተ እውን ገሊፀን።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ብብሄራዊ ፕግራም ግልጋሎት ገባሪ ሰናይ ኣቢሉ ብዝህቦ ስልጠና ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከካትት ብምግባር ምስ ዓለም ለኸ ሕብረት መናእሰይ  ንምስራሕ ከምዝተሓሰበ ኣብሪሀን።

ዶክተር ኦክ ሶ ፓርክ ብግደኦም፥ እቲ ሕብረት ምስ ሚኒስትር ሰላም ተሓጋጊዙ ንምስራሕን ነቲ ሚኒስቴር ቤተ ዕዮ ንምሕጋዝ ድሉው ምዃኑን ገሊፆም።

መናእሰይ ናይ ልምዓት ሓይሊ ብምዃኖም ሰብ ዋና ሰላም ንኽኾኑ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ስልጠናታት ኣድለይቲ ስለዝኾኑ ሕብረቶም ስልጠና ንመሃብ ፍቓደኛ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ፍልፍል፦ ሚኒስቴር ሰላም

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.