Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዴንማርክ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30  መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዴንማርክ ጄፕ ኮፎድ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ትግራይ ዘሎ ደገፍ ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ኣብ ቀዳማይ ዙር ን4 ነጥብ 5 ሚሊየን ዜጋታት ደገፍ ከምዝተገበረን ኣብ ካልኣይ ዙር ደገፍ ከምዝተጀመረን ገሊፆም።

ካብቲ ዝተገበረ ደገፍ እቲ 70 ሚኢታዊ ብመንግስቲ ከምዝተሸፈነ ብምሕባር፥ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ንክውስኽ ሓቲቶም።

ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ንምምርማር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ወድብ ሕቡራት መንግስታትን ብሓባር ዝገብርዎ ምርመራ ንምጅማር ድልውነት ከምዝገበሩ ከምኡውን ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራልን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን  ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ምርመራ ይገብሩ ከምዘለዉን ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ወተሃደራት ኤርትራ ንክወፅኡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘተ ከምዝተገበረ፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብቲ ክልል ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር በቢከባቢኦም ንክዋፈሩ ብመንግስቲ ፌዴራል ዝተኣዘዙ ከምዝኾኑን ኣብሪሆም።

መበል ሻድሻይ ሃገራዊ መርጫ ዴሞክራሲያዊ፣ ነፃን ገለልተኛን ኮይኑ ንክፍፀም ዘኽእል ጠንካራ ኣፈፃሚ ቦርድ ምርጫ ከምዘሎ፣ ነቲ ምርጫ ዝዕዘቡ ሕብረት ኣውሮፓ ሓዊሱ ንብዙሓት ኣካላት እንግዶት ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሮም።

ምስ ምስሕሓብ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብዝተተሓሓዘ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ዝተቐመጡ ኣሰራርሓታት ሱዳን ከምዝጠሓሰትን እታ ሃገር ዓለም ለኻዊ ሕጊ ከምዝጠሓሰትን ኣረዲኦም።

እቲ ዘጋጠመ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ድልውቲ ከምዝኾነት እውንን ተዛሪቦም።

ነዚ ድማ ሱዳን ካብቲ ሒዛቶ ዘሎ ልእላውነት ኢትዮጵያ ለቒቓ ንክትወፅእን ንዘተ ድልውቲ ንክትኮንን ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዴንማርክ ጄፕ ኮፎድ ብግደኦም፥ ብዛዕባ እቲ ዝተገበረሎም መብርሂ አመስጊኖም።

መነግስቶም ኣብ ትግራይ ይግበር ንዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምድጋፍን ኣብ ምርመራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ግድኡ ንምፍፃምን ድልው ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.