Fana: At a Speed of Life!

ማንቼስተር ዩናይትድ ውዕሊ ኦዲዮን ኢጋሎ ኣናዊሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ማንቼስተር ዩናይትድ ናይ ናይጀሪያዊ ተፃዋታይ ኦዲዮን ኢጋሎን ውዕሊ ንተወሰኽቲ ኣዋርሕ ምንዋሓ ኣፍሊጣ።

እታ ጋንታ ነቲ ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ክሳብ መፃኢ ወርሒ ጥሪ ንኽተፅነሖ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሕት ገሊፃ ኣላ።

እቲ ተፃዋቲ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበሮ ውዕሊ ትማሊ ተዛዚሙ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናብ ጋንታ ማንቼስተር ዝተፀምበረ ኢጋሎ፥ ኣብ 8 ፀወታታት 4 ሽቶታት ከቑፅር ክኢሉ ኢዩ።

ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ፀቛሪፁ ዝፀንሐ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 10 ሰነ 2012 ዓ.ም ክጅመር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.