Fana: At a Speed of Life!

ማይክሮሶፍት ንዊንዶውስ-10 ኦፕሬቲንግ ሲስተም ዘቕርቦም መፀገኒ ድሕንነት ጠጠው ንምባል ምሕሳቡ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባኒያ ማይክሮሶፍት ለዊንዶውስ-10 ኦፕሬቲንግ ሲስተም ዘቕርቦም መፀገኒ ድሕንነት ኣብ 2025 ጠጠው ከምዘብልን ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ዋና መማሓየሺ ሲስተም ዊንዶውስ ኦፕሬቲንግ ዕላዊ ንምግባር ከምዝሓሰበ ገሊፁ።

እቲ ኩባኒያ ቅድሚ ሕዚ መመሓየሺ ዊንዶውስ-10 ዕላዊ እንትገብር ናይ መወዳእታ ኦፕሬቲንግ ሲስተም ኢዩ ይበል እምበር ሕዚ ግን ሓሳቡ ከምዝለወጠ ዕላዊ ገይሩ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ እቲ ኩባኒያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 14 ጥቅምቲ 2025 ጀሚሩ ንሆም ይኹን ንፕሮፌሽናል ቨርዥናት ሓደሽቲ ምዝማናት ወይ እውን ፅገናታት ድሕንነት ኣይህልዉን ኢሉ፡፡

ዋላ እኳ ተጠቀምቲ ዊንዶው-7 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2020 ንደሓር ዝመና ድሕንነት እንተተቛረፀ፥ ትካላት ንግዲ ግን ንዊንዶውስ-7 ፕሮፌሽናልን ዊንዶውስ-7 ኢንተርፕራይዝ ዝመናታት ንምርካብ ነቲ ማይክሮሶፍት ክፍሊት እናፈፀሙ ይርከቡ።

ወሃብቲ ርኢቶ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሓዱሽ ኦፕሬቲንግ ሲስተም 11 ቁፅሪ ካብ መሃብ ካሊእ ሽም ከምዝወሃቦ ምግላፆም ንቢቢሲ ብምፅራሕ ኢመደኤ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.